16 ኣብ ማእኸል ደቀ መዛሙርተይ ምስክር እሰር፤ ሕግውን ሕተም።
ሽዑ ኻህን ዮዳሄ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኡ ዘውዲ ደፍአሉ፤ መፅሓፍ ኪዳን ድማ ሃቦ። ቀቢኦምውን ኣንገስዎ፤ እናጣቕዑ ድማ “ንጉስ ሽሕ ዓመት ይንገስ” በሉ።
እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ሓይሎም እዩ፤ ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም።
ንድኹም ብቓል ምፅንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ኣንደበት ሃበኒ። ንግሆ ንግሆ የንቅሐኒ፤ ከም ተምሃሮ ምእንቲ ኽሰምዕስ ንእዝነይ የንቅሖ።
“ኵሎም ደቅኺ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም፤ ሰላም ደቅኺውን ዝዓበየ ክኸውን እዩ።
ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
“ንስኻ ግና፥ ኣታ ዳንኤል፥ መወዳእታ ዓለም ክሳዕ ዝኸውን፥ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዕፀወን፥ ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኸዓ ሕተማ። ብዙሓት ናብዙይ ናብቱይ ክጓየዩ እዮም፤ ፍልጠትውን እናበዝሐ ክኸይድ እዩ።”
“ንዓመፅ መወዳእታ ኽግበሮ፥ ሓጢኣት ክፍፀም፥ በደል ንምስትስራይ፥ ዘለኣለማዊ ፅድቂ ኽመፅእ፥ ራእይን ትንቢትን ክሕተም፥ ቅዱሰ ቅዱሳን ድማ ኽቕባእስ፥ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ሰብዓ ሱባዔ ተመዲቡ ኣሎ።
ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን።
ኣብ ገዛ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ደጊሞም ጠየቕዎ።
ብዘይ ምስላ ኣይተዛረቦምን፤ ንደቀ መዛሙርቱ ግና ንበይናቶም ኵሉ ይገልፀሎም ነበረ።
እቲ ስጋዊ ሰብ፥ ነቲ ኻብ መንፈስ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ኣይቕበሎን እዩ፤ ንእኡ ዕሽነት እዩ፤ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ።
ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ሙሴ ዝነገሮም ምስክራትን ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ እዩ።
ብዛዕባ እቲ ንሓዋሩ ክኸውን ንዘለዎ ነገራት ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሙሴ ኣብ ኵላ ቤት እግዚኣብሄር እሙን ኣገልጋሊ ነበረ።
እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ድምፆም ምስ ኣስምዑ፥ ክፅሕፍ ደለኹ። እንተ ኾነ ኻብ ሰማይ፥ “ነቲ፥ እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ዝተዛረብዎስ፥ ሕተሞ ደኣ እምበር፥ ኣይትፅሓፎ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።
ኣነ ድማ ነቲ መልኣኽ ክሰግደሉ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወደቕኩ፤ ንሱ ግና “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነውን፥ ከማኻን ከምቶም ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ዝሕልዉ ኣሕዋትካን፥ ኣገልጋሊ እየ፤ ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ፤ እቲ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት፥ ናይ ትንቢት መንፈስ እዩ እሞ” በለኒ።
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።’
ኣብ የማን እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ፥ ብውሽጡን ብደገኡን ዝተፅሓፈ፥ ብሸውዓተ ማሕተም ዝተሓትመ፥ ጥቕሉል መፅሓፍ ረአኹ።
ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “ኣይትብከ፤ እንሆ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ፥ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ኣንበሳ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቲ ሸውዓተ ማሕተማቱን ክኸፍቶ፥ ስዒሩ ኣሎ” በለኒ።