13 ግና ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ቀድስዎ፤ ዘፍርሐኩምን ዘደንግፀኩምን ንሱ ይኹን።
ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናኮርን፥ ኣምላኽ ኣቦኣቶምን፥ ኣብ መንጎና ይፍረድ” በሎ። ያእቆብ ድማ በቲ ብፍርሓት ኣቦኡ ይስሓቅ መሓለ።
ንስኻ ግና፥ ንስኻ ግሩም ኢኻ፤ ንመዓትካ መን ይቃወሞ?
ሙሴ ኸዓ ነቶም ህዝቢ “ሓጢኣት ንኸይትገብሩ፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሓድረኩም፥ እግዚኣብሄር ክፍትነኩም ኢሉ እዩ ዝመፀ እሞ፥ ኣይትፍርሑ” በሎም።
ነቶም ኣነ ዝሃብክዎ ደቁ ምስ ረአየ ግና፥ ሽዑ ንሳቶም ንስመይ ክቕድሱ፥ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ድማ ኽቕድሱ፥ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽፈርሑ እዮም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ግና፥ ብፍትሒ ልዕል ልዕል ይብል፤ እቲ ቅዱስ ኣምላኽውን ብፅድቂ ይቕደስ።
ነታ ምድሪ ኸም ደመና ምእንቲ ኽትከድና፥ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ ክፈልጡንስ፥ ናብ ምድረይ ከደይበካ እየ።”
ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ።
ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ምእንቲ ኽቕደስስ፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ፤ ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ቃል ኪዳነይ ምስኡ፥ ኪዳን ህይወትን ሰላምን ነበረ። ምእንቲ ኽፈርሕ ንኣኣቶም ሃብክዎ፤ ንሱውን ፈርሐኒ፤ ካብ ስመይ ዝተልዓለውን ደንገፀ።
እቲ ህዝቢ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ኣብ ማይ ጐይቊ ኣብ ልዕለይ ከጕረምርም እንተሎ፥ ክልቴኹም ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣይቐደስኩምንን፤ ነቲ ቓለይውን ጥሒስኩምዎ ኢኹም።” ማይ መሪባ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ዝርከብ ዓይኒ ማይ እዩ።
ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርሕዎ እምበር፥ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኽቐትልዋ ዘይከኣሎም፥ ኣይትፍርሕዎም።
ኣነ ግና፥ ንመን ከም እትፈርሑ ኸርእየኩም እየ፤ ነቲ ምስ ቀተለ፥ ናብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሑ። እወ፥ ንእኡ ፍርሕዎ እብለኩም ኣለኹ።
ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃበ እምበር፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምፍራሕ ኵልሻዕ ምእንቲ ኽትመሃሩስ፥ ነቲ ዓስራት ስርናይኩም፥ ወይንኹም፥ ዘይትኹም፥ በዅሪ ኸፍትኹም፥ ኣባጊዕኹም፥ ኣብታ ንስሙ መፀውዒ ኽትከውን ዝሓረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዕዎ።
ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”
ነቶም ፅምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቘራረፆም፤ “እቲ ወፂኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይስዕብ፥ ኣብዑሩ ኸምዙይ ክግበሩ እዮም” ኢሉ ነቶም ቍርፅራፅ ስጋ ዝሓዙ ልኡኻት ናብ ኵላ ወሰን ምድሪ እስራኤል ሰደዶም። ሽዑ እቶም ህዝቢ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ መዓት ኣደንጊፁዎም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ወፁ።