11 እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ፥ ከምዙይ ተናገረኒ፤ ብመንገዲ እዝ ህዝቢ እዙይ ከይከይድ ኣጠንቀቐኒ፤ ከምዙይ ድማ በለኒ፦
ኢድ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት፤ ሕቘኡ ተዓጢቑ ድማ ኽሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዝኣቱ፥ ቀቅድሚ ኣክኣብ ይጐዪ ነበረ።
ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ።
ወደይ፥ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ መንገዲ ኣይትኺድ፤ ካብኣቶም ረሓቕ፤
ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንተ ተመሊስካ፥ ክመልሰካ እየ፤ ኣብ ቅድመይውን ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ዝኸበረ ኻብቲ ሕሱር እንተ ፈሊኻዮ፥ ኣፍ ክትኮነኒ ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ይምለሱ እምበር፥ ንስኻ ናብኣቶም ኣይትምለስን።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣታለልካኒ፤ ኣነውን ተታለልኩ፤ ንስኻ ኻባይ በርታዕኻ፥ ኣሸነፍካኒውን፤ ምሉእ መዓልቲ መላገፂ ኾንኩ፤ ኵሎምውን የባጭዉለይ ኣለዉ።
“ደጊም ስም እግዚኣብሄር ኣየልዕልን፤ ብስሙውን ኣይናገርን፥” እንተ በልኩ እኳ፥ ቃሉ ኣብ ልበይ ከም ሓዊ፥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይውን ከም ረመፅ ኮነኒ፤ ክፅመም ተቓለስኩ ግና ኣይኮነለይን።
እቲ መንፈስ ከዓ ኣልዒሉ ወሰደኒ፤ ኣነውን ብምረት፥ መንፈሰይ ተቘጢዑ ኸድኩ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕለይ በርቲዓ ነበረት።
ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ምዝራብ ኣይንሓድግን” ኢሎም መለሱሎም።