10 ተመኻኸሩ ግና ምኽርኹም ክፍታሕ እዩ፤ ቃል ተዛረቡ፤ ግና እቲ ቓል ኣይፀንዕን፤ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ።
በቲ ዘመን እቱይ ድማ፥ ኣቢሜሌክ ምስ ኣኮዘት ሓለቓ መጓሰኡን፥ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን መፂኡ፥ ንኣብርሃም “ብእትገብሮ ዅሉ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ።
ንዳዊት ከዓ “ኣኪጦፌል ኣብ መንጎ እቶም ሻራ ዝገበሩልካ ተሓዊሱ ምስ ኣቤሴሎም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኽትገብሮ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ፀለየ።
ኣኪጦፌል ከም ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፥ ኣድጉ ፅዒኑ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣመሓዲሩ ድማ ተሓኒቑ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸዓ ተቐበረ።
እዝ ምኽሪ እዙይ ንኣቤሴሎምን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ኣሐጐሰ።
ሓደ ኻብቶም ሹመኛታቱ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ! ከምኡ ኣይኮነን፤ ግና ኤልሳዕ፥ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነቢይ፥ እቲ ኣብ መደቀሲኻ ኾይንካ ዝተዛረብካዮ ዘረባ እኳ ንንጉስ እስራኤል ይነግሮ እዩ” በሎ።
እንሆ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና ሓለቓ እዩ፤ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ኻህናቱ ኣብ ልዕሌኹም ክነፍሑ ድማ ምሳና እዮም። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ፥ ኣይቐንዐኩምን እዩ።”
ነቲ ዝመኸርዎ፥ ኣእዳዎም ከይፍፅሞ፥ ንሓሳብ ተንኰለኛታት ከንቱ ይገብሮ።
ንድሕሪት ትመልሶም፤ ቀስትኻ ናብ ገፆም ኣቢልካ ኽተዳሉ ኢኻ።
ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ።
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብ መፀግዒና እዩ።
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብውን መፀግዒና እዩ።
ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ተኣምራትውን ክትሪኡ ንዑ።
ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር መዲብዎ እዩሞ፥ መን እዩ ኸንቱ ዝገብሮ? ኢዱ ተዘርጊሓ ኣላ፤ መንከ እዩ ዝመልሳ?
እቲ ምስ ሞት ዝኣተኹምዎ ኪዳን ክፈርስ፥ እቲ ምስ ሲኦል ዝተወዓዓልኩምዎ ውዕሊ ኸዓ ኣይፀንዕን እዩ፤ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ብእኡ ኽትርገፁ ኢኹም።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራሕ።” “ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምፅኦም፥ ካብ ምዕራብ ከዓ ኽኣኻኽበካ እየ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል ክትጠንስ እያ፤ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ድማ ‘ኣማኑኤል’ ኢላ ኽትሰምዮ እያ።
ናብ ይሁዳ ኣዕለቕሊቑ ኽኣቱ፥ ካብ ልዕሊ ገማግሙ ወፂኡ እናሓለፈውን፥ ክሳዕ ክሳድ ክበፅሕ እዩ።” ኦ ኣማኑኤል ምዝርጋሕ ኣኽናፉ፥ ንስፍሓት ሃገርካ ክትመልእ እያ።
ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
ኣነ ኸድሕነኩም ካብ ኢዱውን ከናግፈኩም ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ንንጉስ ባቢሎን ኣይትፍርሕዎ፤ እወ፥ ኣይትፍርሕዎ፥ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣነ ምሳኻ እየሞ ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንዅሎም እቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየሞ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን፤ ግቡእ ቅፅዓት እቐፅዐካ እምበር፥ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።”
ሜም። እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ፥ ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ?
እዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣውጁ፤ ንውግእ ተዳለዉ፤ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፤ ኵሎም ተዋጋእቲ ቐሪቦም ይውፅኡ።
ሽዑ ሓጌ እቲ ልኡኽ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ፥ በታ መልእኽቲ እግዚኣብሄር “ኣነ ምሳኻትኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኢሉ ተናገረ።
ኣብ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይትዓምፁ እምበር፥ ንሳቶም ከም እንጀራ ክኾኑልና እዮም እሞ፥ ንህዝቢ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ኣይትፍርሕዎም፤ ፅላሎም ካብኣቶም ተቐንጢጡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳና እዩ። ስለዙይ ኣይትፍርሕዎም” ኢሎም ተዛረብዎም።
ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኩም፥ ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ተግባራት ስጋ፥ ብመንፈስ እንተ ቐቲልኩምዎ ግና፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።
እምበኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?
“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም፥ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻትኩም ዝበዝሕ ሰራዊትን እንተ ረአኹም፥ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም።
ኣብ ምሉእ ዕድሜኻ ዝቃወመካ ሰብ ኣይህሉን እዩ። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፥ ምሳኻውን ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን እየ፤ ኣይድርብየካንውን እየ።
ኣቱም ደቀይ፥ ንስኻትኩም ካብ እግዚኣብሄር ኢኹም እሞ፥ ስዒርኩምዎም ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ የመና ዓብዪ እዩ እሞ።