Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 7:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ርእሲ ኤፍሬም ሰማርያ፥ ርእሲ ሰማርያውን ወዲ ሮሜልዩ እዩ። “እምበኣር እምነትኩም እንተ ዘይፀንዐ፥ ፈፂምኩም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን።”

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 7:9
18 Referencias Cruzadas  

ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዕስራ ዓመት ገዝአ።


እቶም ህዝቢ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ናብ ምድረ በዳ ቴቁሔ ወፁ። ክወፁ እንተለዉ ድማ ኢዮሳፍጥ ደው ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን ስምዑኒ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ፅኑዓት ክትኮኑ ኢኹም፤ ብነቢያቱውን እመኑ እሞ ኽቐንዐኩም እዩ።”


ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ!


ንሕጊ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ፥ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኣቃሊሎምዎ እዮም እሞ፥ ከምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዘንድዶ፥ ንቑፅ ሳዕሪ ኸዓ ብሃልሃልታ ሞዅ ዝብል፥ ሱሮም ዝበዅበዀ ክኸውን፥ በቚሎም ከዓ ኸም በነንታ ኽበንን እዩ።


መሊሱ እግዚኣብሄር ንኣካዝ ከምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦


ከምዙይ ድማ በሎ፦ ‘ተጠንቀቕ፤ ተረጋጋዕ፤ ኣይትፍራሕውን፤ በዞም ክልተ ዝትክዩ ትንታጋት፥ ስለ ረኣሶን ንጉስ ሶርያን ስለ ፋቁሔን ስለ ሮሜልዩን ጕሁር ቍጥዓ፥ ልብኻ ኣይፍራሕ።’


ሽዑ እግዚኣብሄር “እቲ ህፃን ኣቦኡን እኖኡን ምፅዋዕ እንተይፈለጠ፥ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ክውሰድ እዩሞ፥ ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ኢልካ ስመዮ” በለኒ።


ኵሉ ህዝቢ ኤፍሬምን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩን ክፈልጡ እዮም፤ ንሳቶም ዕቡያትን ምኩሓትን እዮም፤


ሽዑ ኣዛርያስ ወዲ ሆሻያን ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርሚያስ “ሓሰት ኢኻ ዝተዛረብካ፤ ባሮክ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ፥ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒሉካ ዘሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ‘ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብፂ ኣይትግዓዙ’ በሎም፥ ኢሉ ኣይለኣኸካን” በልዎ።


እዝ ዅሉ፥ ብሰንኪ በደል ያእቆብን፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ? ሰማርያዶ ኣይኮነትን? በረኽቲ መስገዲ ይሁዳ እንታይ እዩ? ኢየሩሳሌምዶ ኣይኮነትን?


እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና፥ ካብቲ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ዘረባ፥ ነቲ መራሒ መርከብን ነቲ ዋናኡን ኣብሊፁ ይኣምን ነበረ።


ሕዚ እውን ኣቱም ሰባት ኣይዞኹም፤ ኣነ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዝኸውን፥ ንእግዚኣብሄር እኣምኖ እየ።


ፅቡቕ፤ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፤ ንስኻ ግና ስለ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ስለዙይ ፍራሕ ደኣ እምበር፥ ብልብኻ ኣይትተዓበ።


ብዘይ እምነት ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ፤ እቲ ዅሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ፥ እግዚኣብሄር ከም ዘሎን፥ ነቶም ዝደልይዎ ኸዓ፥ ዓስቢ ኸም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ።


ብወዲ እግዚኣብሄር ዝኣምን፥ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዘይኣምን፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክርነት ስለ ዘይኣመነ፥ ንእግዚኣብሄር ሓሳዊ ይገብሮ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos