7 ጐይታ እግዚኣብሄር ግና ኸምዙይ ይብል፦ “እዝ ምኽሮም ኣይፀንዕን፤ ኣይኸውንንውን።
ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፤ ሓሳባት ልቡውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።
ሰብ ብፍቓዱ የመስግንካ፤ ካብ ተረፍ ሕሊናኦም በዓልካ ይገብሩ።
ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።
እቲ ምስ ሞት ዝኣተኹምዎ ኪዳን ክፈርስ፥ እቲ ምስ ሲኦል ዝተወዓዓልኩምዎ ውዕሊ ኸዓ ኣይፀንዕን እዩ፤ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ብእኡ ኽትርገፁ ኢኹም።
ቍጥዓኻን ድፍረትካን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፥ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ከእቱ እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲውን ክመልሰካ እየ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ወዲ ወዱ ንኦዝያን ወዲ ኢዮኣታም ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፥ ንጉስ ሶርያ ረኣሶንን ንጉስ እስራኤል ወዲ ሮሜልዩ ፋቁሔን ንኢየሩሳሌም ክወግኡ ወፁ፤ ግና ኸሸንፍዋ ኣይከኣሉን።
ተመኻኸሩ ግና ምኽርኹም ክፍታሕ እዩ፤ ቃል ተዛረቡ፤ ግና እቲ ቓል ኣይፀንዕን፤ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ።
ሜም። እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ፥ ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ?
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።