5-6 ሶርያን፥ ኤፍሬምን ወዲ ሮሜልዩንውን፥ ናብ ይሁዳ ንደይብ፤ ነሸብሮምውን፤ ኣፍሪስና ንእቶሞ ንወዲ ጣብኤል ኣብኣ ነንግሶ ኢሎም ክፉእ መኺሮምልካ ኣለዉ።”
ነገስታት ምድሪ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ሓበሩ፤ ኣሕሉቕውን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ መሲሑን፥ ከምዙይ ኢሎም ተማኸሩ፦
ንቤት ዳዊት “ሶርያን ኤፍሬምን ተሓባቢሮም” ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፥ ኦም በረኻ ብንፋስ ከም ዝናወፅ ልቡን ልቢ ህዝቡን ከምኡ ተናወፀ።
እቲ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዘሻሩን፥ ክፉእ ዝመክርን ካባኻ ወፀ።
ኣነ ቑሩብ ተቘጢዐ ነበርኩ፤ ንሳቶም ግና ንኽፍኣት ስለ ዝሓገዙ፥ በቶም ሃዲኦም ዝነብሩ ኣህዛብ የመና ተቘጢዐ ኣለኹ።