Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 7:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምስ ወድኻ ያሱብ ውፁ እሞ፥ ንንጉስ ኣካዝ ክትራኸብዎ፥ ናብቲ ወሰን መስኖ ላዕለዋይ ቃላይ፥ በታ ናብ ግራት ሓፃቢ ክዳውንቲ እትወስድ መንገዲ ውፁ፤

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 7:3
14 Referencias Cruzadas  

ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ፥ ኣካዝ ወዲ ኢዮኣታም ኣብ ይሁዳ ነገሰ።


ንጉስ ኣሶር ግና ንተርታንን ራፌስን ንራፋስቂስን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሶ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መንገዲ ግራት ሓፃቢ ዘሎ ላዕለዋይ መስኖ ቖሙ።


እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ኵሉ ጅግንነቱን፥ ሓፅብን መስኖን ከም ዝሰርሐን፥ ናብ ከተማ ኸዓ ማይ ከም ዘእተወን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?


ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፥ ሹም ፍርቂ ቤትፁር፥ ክሳዕ መንፅር መቓብር ዳዊትን ክሳዕ እቲ ዝተሰርሐ መሐመስን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ሓደሰ።


እንሆ፥ ፅባሕ ንግሆ ፈርዖን ናብ ሩባ ክኸይድ እንተሎ፥ ነታ ናብ ተመን ዝተለወጠት በትሪ ብኢድካ ሒዝካ፥ ኣብቲ ገምገም ሩባ ደው ኢልካ ፅንሓዮ።


እቶም ካብ ያእቆብ ዝተረፉ፥ ናብቲ ሓያል ኣምላኽ ክምለሱ እዮም።


ነቲ ኻብ ናይ ቀደም ሓፅቢ ዝፈስስ ማይ ምእንቲ ኽትእክቡሉ፥ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቕፅሪ ሓፅቢ ገበርኩም። ግና ነቲ ነዙይ ዝፈጠረ ኣይተመልከትኩምን፤ ወይ ነቲ ኻብ ጥንቲ ነዙይ ዘዳለዎ ኣይረአኹምን።


ኣብ ላኪሶ ኮይኑ ኸዓ፥ ንራፋስቂስ ብዙሕ ሰራዊት ኣትሒዙ፥ ናብ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ለኣኾ። ንሱ ኸዓ ኣብ ጥቓ ላዕለዋይ ሓፅቢ መስኖ፥ ብመንገዲ ግራት ሓፃቢ ገይሩ፥ ናብቲ ላዕለዋይ መፂኡ ደው በለ።


ክፉእ ሰብ መንገዱ፥ በደለኛውን ሓሳቡ ይሕደግ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለስ፤ ንሱ ኸዓ ምሕረት ክገብረሉ እዩ፤ ናብ ኣምላኽና ይመለስ፤ ይቕረታኡ ብዙሕ እዩሞ።


ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”


እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ናብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ፥ ኣብኡ እዝ ቓል እዙይ ተናገር፤ ከምዙይውን በል፦


ኢሳይያስውን ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፦ “ቍፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ በዝሐ፥ እቲ ተረፍ ጥራሕ እዩ ዝድሕን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos