19 ንሳቶም ድማ ኽመፁ እሞ፥ ኵላቶም ኣብ ኵሉ ፅምዊ ሽንጥሮን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን፥ ኣብ ኵሉ ኣሻዅ ቈጥቋጥን፥ ኣብ ኵሉ ጐዳጕዲ ማይን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መውፈሪን፥ ክሰፍሩ እዮም።
ሽዑ እግዚኣብሄር ናይ ንጉስ ኣሶር ኣሕሉቕ ሰራዊት ሰዲዱ ንይሁዳ ኸም ዝወርዋ ገበረ። ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሓዝዎ፤ ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ሰባት ካብ ፍርሒ እግዚኣብሄርን ካብ ሓይሊ ግርማኡን ምእንቲ ክኽወሉ፥ ኣብ በዓትታትን፥ ኣኻውሕን፥ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ክኣትዉ እዮም።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ካብ ኣደንጋፅነቱን ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ ጐዳጕድን በዓትታትን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን ክኣትዉ እዮም።
ከባድሞ እየ፤ ኣይዅስኰስን ኣይቝረፅንውን እዩ። እሾዅን ኳዂቶን ከዓ ኽበቝሎ እዩ፤ ዝናም ከየዝንሙሉ ንደመናት ክእዝዞም እየ።”
ክንዲ እሾዅ ኦም ፅሕዲ፥ ክንዲ ኣምዐ ድማ ፀፆ፥ ክበቍል እዩ፤ እዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር መዘከርታን፥ ንዘለኣለም ዘይጠፍእ ምልክትን ክኸውን እዩ።”
ኵላ እታ ምድሪ እቲኣ ብእሾዅን ብዃዂቶን ስለ እትሽፈን ናብኣ ዝኣትዉ ሰባት ቀስትን ፍላፃን ሒዞም እዮም።
እቲ ብመባሮ ዝባሮ ዝነበረ ዅሉ ዀረብታታት ከዓ ኻብ ፍርሒ እሾዅን ኳዂቶን ዝተልዓለ ደጊም ናብኣ ኣይትኸይድን ኢኻ፤ ግና መውፈሪ ኣብዑርን መርገፂ ኣባጊዕን ክኸውን እዩ።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም።
ከም ተመን ሓመድ ክልሕሱ፥ ከም ለመምታ ምድሪ እናኣንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ክወፁ፥ ብፍርሒ ራዕራዕ እናበሉ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽመፁ እዮም፤ ንኣኻውን ክፈርሑ እዮም።
“ተቤዚወዮም እየሞ፥ ብፋፃ ኽፅውዖም እየ፤ ብሓደ ኽእክቦም እየ፤ ከም ቀደሞምውን ክበዝሑ እዮም።
ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፤ ካብ ኣሜከላ ፍረ ወይኒ፥ ወይ ካብ ዳንዴር በለስዶ ይእረ?