17 ስለዙይ “ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ካብ ዝተፈልየሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ቅድሚ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ ዘመን፥ እግዚኣብሄር ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ከምፅእ እዩ፤ ንሱውን ምምፃእ ንጉስ ኣሶር እዩ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ናይ ንጉስ ኣሶር ኣሕሉቕ ሰራዊት ሰዲዱ ንይሁዳ ኸም ዝወርዋ ገበረ። ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሓዝዎ፤ ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
“ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽና፥ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ እቲ ንኣናን ንነገስታትናን ንኣሕሉቕናን ንኻህናትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽተይ ኮይኑ ኣይረአኻ።
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርቢይዎም እዩ’ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይትሪኦን ዲኻ? ድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝቢ ኸም ዘይኮኑ ቘፂሮም ይንዕቕዎም ኣለዉ።