ንጉስ ኣካዝ ድማ ብዛዕባኡ ንካህን ኦርያ “እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ጊሓትን ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽልን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ንጉስን፥ መስዋእቲ እኽልን፥ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥ መስዋእቲ እኽሎምን፥ መስዋእቲ መስተኦምን፥ ኣብቲ ዓብዪ ሓድሽ መሰውኢ ኣቃፅሎ፤ ንዅሉ ደም እቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንኵሉ ደም እቲ መስዋእቲ ሕሩድን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ንፀጎ፤ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውኢ ግና ኣነ ኽጥይቐሉ ንኣይ ሕደገለይ” ኢሉ ኣዘዞ።