11 “ምልክት ከርእየካስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምን፤ ካብ መዓሙቕ ወይ ካብ ላዕለዋይ ምልክት ጠይቕ” በሎ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ምልክት እዙይ እዩ፦ “እንሆ፥ እቲ መሰውኢ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ኽወድቕ እዩ፤ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ኽፈስስ እዩ” ኢሉ ምልክት ሃበ።
ሽዑ ንሕዝቅያስ “ንኣኻ ግና እዙይ ምልክት ይኹንካ፤ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፥ ብኻልአይቲ ዓመት ከዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ኽትዘርኡን ክትዓፅዱን፥ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍረኡ ኽትበልዑን ኢኹም።
“ፈርዖን ‘ተኣምራት ኣርእዩኒ’ እንተበለኩም፥ ንኣሮን ‘በትርኻ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደርብያ’ በሎ። ንሳ ኸዓ ተመን ክትከውን እያ።”
“እዙይ ከዓ ምልክት ይኹንካ ‘በዝ ዓመትዙይ ካብቲ ባዕሉ ዝበቘለ ቐሪም፥ ንዓመታ ኸዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም፤ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ፥ ክትዘርኡን ክትዓፅዱን ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሉን ኢኹም እሞ፥ ፍረኡ ኽትበልዑ ኢኹም።
ሕዝቅያስ ድማ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብስ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሉ ነበረ።
ክንዲ እሾዅ ኦም ፅሕዲ፥ ክንዲ ኣምዐ ድማ ፀፆ፥ ክበቍል እዩ፤ እዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር መዘከርታን፥ ንዘለኣለም ዘይጠፍእ ምልክትን ክኸውን እዩ።”
መሊሱ እግዚኣብሄር ንኣካዝ ከምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
ኣካዝ ግና “ኣይልምንን፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈታተንን እየ” በለ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፤ ካብቲ ሰራሒ መሬት ሳርማ ዓድግ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትንውን ንገሊኣቶም ምሳኻ ተማላእ።
ሽዑ “ነታ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዝኸዱ ሰባት ስበራ እሞ፥
እቲ ኣብ ልዕሌኹም ከምፅኦ እየ ዝበልኩኹም መዓት፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተለኹም ክቐፅዐኩም እየ። እዙይ ከዓ ምልክት ክኾነልኩም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ምልክቱ ኸዓ እዙይ ኢዩ፦ በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ህፃን፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም።