1 ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ወዲ ወዱ ንኦዝያን ወዲ ኢዮኣታም ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፥ ንጉስ ሶርያ ረኣሶንን ንጉስ እስራኤል ወዲ ሮሜልዩ ፋቁሔን ንኢየሩሳሌም ክወግኡ ወፁ፤ ግና ኸሸንፍዋ ኣይከኣሉን።
ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ንፋቂስያስ ተመሓሓለሉ። ካብ ገለዓድ ሓምሳ ሰብ ምስኡ ወሲዱ ድማ ኣብ ሰማርያ ኣብ ዕርዲ ቤተ መንግስቲ ቐተሎ። ምስኡ ድማ ንኣርጎብን ኣርያን ቀተሎም። ክንድኡ ኸዓ ነገሰ።
ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዕስራ ዓመት ገዝአ።
እግዚኣብሄር፥ ንረኣሶን ንጉስ ሶርያን ንፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ንጉስ እስራኤልን፥ ንይሁዳ ኽዋግእዋ ክሰዶም ጀመረ።
ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ፥ ኣካዝ ወዲ ኢዮኣታም ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
ሽዑ ረኣሶን ንጉስ ሶርያን፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ንጉስ እስራኤልን፥ ንኢየሩሳሌም ክወግእዋ ደየቡ። ንኣካዝ ድማ ኸበብዎ፤ ከሸንፍዎ ግና ኣይከኣሉን።
ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን ኢዮኣታምን ብኣካዝን፥ ብዘመን ሕዝቅያስን፥ ወዲ ኣሞፅ ኢሳይያስ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ ራእይ።
“እዝ ህዝቢ እዙይ ነቲ ብርግኣት ዝፈስስ ማይ ሰሊሆም ፀሊኡ፥ ረኣሶንን ወዲ ሮሜልዩን ፈትዩ እዩ እሞ፥
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ፅዮን፥ ንተቓወምቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስኦም፥ ንፀላእቱውን ከለዓዕሎም እዩ።
ስለ ብዝሒ ግብሪ ብልሓትኪ ሶርያ ምሳኺ ነገደት፤ ብኽቡር ዕንቍን ብቀይሕ ብተጠልፈ ዓለባን ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባን፥ ብዛዕጐልን ብሮቢኖስን፥ ገይሮም ለውጢ ንግድኺ ሃቡኺ።
ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን፥ ብዘመን ኢዮኣታምን ብኣካዝን ብሕዝቅያስን፥ ከምኡውን ብዘመን ንጉስ እስራኤል ብወዲ ኢዮኣስ ኢዮርብዓምን፥ ናብ ወዲ ብኤሪ ሆሴዕ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
ብዘመን ኢዮኣታምን ኣካዝን ሕዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፥ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሞሬታዊ ሚክያስ ዝረኣዮ ናብኡ ኸዓ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።