8 ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ንሕና መሬት ኢና፤ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፤ ኵልናውን ስራሕ ኢድካ ኢና።
ክተጨንቕን፥ ንስራሕ ኢድካኸ ክትንዕቕን፥ ንምኽሪ ኽፉኣት ሰባት ክተብርህስ፥ ብኣኻ ፅቡቕ ድዩ?
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፍለጡ፤ ንሱ ፈጠረና፤ ንሕና ኣይኮንናን፤ ንሕናስ ህዝቡ፥ ኣባጊዕ መጓሰኡ ኢና።
ኣእዳውካ ሰርሓኒ ኣመዓራረያኒውን፤ ትእዛዛትካ ኽመሃርስ ምስትውዓል ሃበኒ።
እግዚኣብሄር ክፈድየለይ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካውን ንዘለኣለም እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንተግባር ኣእዳውካውን ሸለል ኣይትበል።
ኦ ኣምላኽ፥ ስለ ምንታይ ንሓዋሩ ደርበኻና? ኣብ ልዕሊ መጓሰ ኣባጊዕኻኸ ንምንታይ ቍጥዓ ተቘጣዕኻ?
ንዑ፥ ንስገድ፤ ንእኡውን ንገዛእ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈጣሪና ንምበርከኽ።
ስለ ምንታይከ ግብፃውያን ‘ኣብ እምባታት ምእንቲ ኽቐትሎም፥ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ፈፂሙ ምእንቲ ኸጥፍኦም እዩ ዘውፅኦም’ ኢሎም ዝዛረቡ? ካብቲ ብርቱዕ ቝጥዓኻ ደኣ ተመለስ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኽተውርዶ ዝሓሰብካዮ መዓት ድማ ተመለስ።
ንንጉስ ፈርዖን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ “ግብፂ ህዝበይ፥ ኣሶር ግብሪ ኢደይ፥ እስራኤል ርስተይ፥ ቡሩኻት ኩኑ” ኢሉ ኽባርኾም እዩ።
እዙይ ናታትኩም ቀይናንነትዶ ኣይኮነን? ከም ሰራሒ መሬትዶ እትቝፀሩ ኣይኮንኩምን? ስሩሕዶ ንሰራሒኡ “ንስኻ ኣይሰራሕኻንን” ይብሎ እዩ? ወይ እቲ እተገብረ፥ ንገባሪኡዶ “ኣይተስተውዕልን ኢኻ” ይብሎ እዩ?
ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።”
ኵሉ እቲ ብስመይ ዝተፀውዐ፥ ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝሰራሕኹዎን ዝገበርኩዎን፥ ኣምፅእ” ክብሎ እየ።
“ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ባርያይ ኢኻ እሞ እዙይ ዘክር፤ ኣነ ፀዊዐካ ኣለኹ፤ ንስኻውን ባርያይ ኢኻ፤ ኦ እስራኤል ከቶ ኣይርስዐካን እየ።
“ኣብ ማህፀን ዝሰርሐካ ዝተቤዘወካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እቲ ንዅሉ ዝፈጠርኩ፥ ንሰማያት በይነይ ዝዘርጋሕኹ፥ ንምድሪ ዘፅናዕኹ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ።
እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾነ፥ ፈጣሪኡ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብዛዕባ እቲ ዝመፅእ ጠይቑኒ፤ ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ።
እቲ ምስ ሰራሒኡ ዝከራኸር ስራሕ ወይለኡ፤ ንሱ ኻብቶም ስራሕቲ መሬት ሓደ እዩ፤ ስራሕ መሬትዶ ንሰራሒኡ፥ “እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ይብሎ እዩ? ስራሕኻኸ “ኢድ የብልካን” ይብለካ ድዩ?
ንዘለኣለም ኣይፃላእን፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣይቍጣዕን እየ። ከምዙይ እንተ ዘይኸውንስ መንፈስን፥ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን ተስፋ ምቐበፃ ነይረን።
ኵሎም ህዝብኺ ፃድቃን ክኾኑ፥ ነታ ምድሪ ኸዓ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፤ ንሳቶም ንኽብረይ ዝኸውን ጨንፈር ተኽለይ፥ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።
ኣቦና ንስኻ ኢኻ፤ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን እዩ፤ እስራኤልውን ኣየለልየናን እዩ። ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ፥ ካብ ዘለኣለም ተቤዛዊና እዩ።
እግዚኣብሄርውን “ብርግፅ ንሳቶም ህዝበይ፥ ዘይሕስዉ ደቀይ እዮም” በለ እሞ መድሓኒኦም ኮነ።
ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
እናበኸዩ ኽመፁ እዮም፤ ብምፅንናዕ ክመርሖም እየ፤ ብዘይዕንቀፉላ ቕንዕቲ መንገዲ፥ ናብ ወሓዚ ማይ ክመርሖም እየ፤ ኣነ ንእስራኤል ኣቦ እየሞ፥ ኤፍሬም ከዓ በዅሪ ወደይ እዩሞ።
ግና ቝፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ ኽስፈርን ክቝፀርን ዘይከኣል ሑፃ ባሕሪ ክኸውን እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን” ኣብ ዝተብሃሉሉ ቦታ “ውሉድ ህያው እግዚኣብሄር” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።
ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ናይ ኣቦታትና ቓል ኪዳን ንምርካስ ንስንሳትና ንሓውና እነታልል?
ንስኻትኩም ግና ግብሪ ኣቦኻትኩም ትገብሩ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕናስ ብዝሙት ዝተወለድና ኣይኮንናን። ሓደ ኣቦ ኣለና፤ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ።
ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ኵልኻትኩም ውሉድ እግዚኣብሄር ኢኹም።
እምበኣር፥ ናይ ክርስቶስ ካብ ኮንኩም፥ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፤ ከምቲ ተስፋውን፥ ወረስቲ ኢኹም።
ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ፥ ንእግዚኣብሄርዶ እዙይ ትፈድዮ? እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻኸ ንሱዶ ኣይኮነን? ዝፈጠረካን ዘቖመካን ንሱዶ ኣይኮነን?”
እዚኣቶምስ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልፅምካን ዘውፃእኻዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም” በልኩ።