7 ገፅካ ኸዊልካልና፥ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኸዓ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፥ ስምካ ዝፅውዕን፥ ንኣኻ ኽሕዝ ዝትስእን፥ ሓደ እኳ የለን።
ከም ጭቃ ኸም ዝለወስካኒ ዘክር፤ ሕዚ ደኣ ስለ ምንታይ፥ ናብ ሓመድ ክትመልሰኒ ትደሊ ኣለኻ?
ደቅኻ ንእግዚኣብሄር በዲሎምዎ እንተ ነይሮም፥ ንሱውን ኣብ ኢድ በደሎም እንተ ደርበዮም፥
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፍለጡ፤ ንሱ ፈጠረና፤ ንሕና ኣይኮንናን፤ ንሕናስ ህዝቡ፥ ኣባጊዕ መጓሰኡ ኢና።
ኣእጋሮም ደም ንምፍሳስ ቅልጡፋት እየን፤ ኣብ መንገዶም ሓሳርን ጥፍኣትን ኣሎ፤ ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን እዮም፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን። እዞም ንህዝበይ ከም እንጀራ ዝበልዑ? ኵሎም እቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ብሓቂ ኣይፈልጡን ድዮም? ንእግዚኣብሄርውን ኣይፅውዕዎን።
ስለ ምንታይከ ግብፃውያን ‘ኣብ እምባታት ምእንቲ ኽቐትሎም፥ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ፈፂሙ ምእንቲ ኸጥፍኦም እዩ ዘውፅኦም’ ኢሎም ዝዛረቡ? ካብቲ ብርቱዕ ቝጥዓኻ ደኣ ተመለስ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኽተውርዶ ዝሓሰብካዮ መዓት ድማ ተመለስ።
“ኣእዳውኩም ናባይ እንተ ዘርጋሕኹም፥ ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክኽውል እየ፤ ልመና እንተ ኣብዛሕኹምውን ኣይሰምዐኩምን እየ፤ ኣእዳውኩም ደም መሊአን እየንሞ።
ወይ ከዓ ምሳይ ሰላም ይግበር፤ ንሓይለይ ይሓዝ፤ ምሳይ ሰላም ይግበር።
እቲ ምስ ሰራሒኡ ዝከራኸር ስራሕ ወይለኡ፤ ንሱ ኻብቶም ስራሕቲ መሬት ሓደ እዩ፤ ስራሕ መሬትዶ ንሰራሒኡ፥ “እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ይብሎ እዩ? ስራሕኻኸ “ኢድ የብልካን” ይብለካ ድዩ?
“ምስ መፃእኹ ንምንታይ እዩ ሰብ ዘይነበረ? ምስ ፀዋዕኹስ ስለ ምንታይ እዩ፥ ዝምልስ ሰብ ዘይነበረ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምቢዛው ሓፃር እያ? ወይ ከዓ ኸድሕን ዝኽእል ሓይሊዶ የብለይን እየ? እንሆ፥ ብቝጥዓይ ንባሕሪ ኣንፅፎ፤ ንወሓይዝ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ፤ ሰኣን ማይ ከዓ፥ ዓሳታቱ ብፅምኢ ሞይቶም ከም ዝጨንዉ እገብር።
ንቑሩብ ጊዜ የመና ስለ ዝተቘጣዕኹ፥ ገፀይ ካባኺ ኸወልኩ፤ ግና ብዘለኣለማዊ ምሕረተይ ክርህርሀልኪ እየ” ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰናብተይ ንዝሕሉዉን፥ ንኣይ ዘሐጕስ ንዝመርፁን፥ ቃል ኪዳነይውን ንዝሕልዉ ስሉባት፥
ብሰንኪ ሓጢኣቱ ተቘጢአ ቐሰፍክዎ፤ ገፀይውን ብቝጥዐ ኻብኡ ኸወልኩ፤ ከምኡ ኾይኑውን ብመንገዲ ልቡ እናድሐርሐረ ኸደ።
ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ።
ግና በደልኩም ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ ኣምላኽኩምን ፈልያ ኣላ፤ ከይሰምዐኩምውን ሓጢኣትኩም ንገፁ ኻባኻትኩም ሰወሮ።
ብፅድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የለን፤ ብሓቂ ዝፈርድ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ከንቱነት ይእመኑ፤ ሓሰት ከዓ ይዛረቡ፤ ክፍኣት ይጠንሱ፤ ሓጢኣትውን ይወልዱ።
ኣቦና ንስኻ ኢኻ፤ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን እዩ፤ እስራኤልውን ኣየለልየናን እዩ። ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ፥ ካብ ዘለኣለም ተቤዛዊና እዩ።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኽዅልዖምን ክፍትኖምን እየ፤ ስለ ኽፍኣት ጓል ህዝበይ፥ ካብዙይ ዝበለ እንታይ ክገብር እኽእል?
ኣነ ኸየጥፍኣስ፥ ነቲ ቕፅሪ ዝፅግን፥ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ዝፈረሰ ዝቐውም፥ ኣብ ማእኸሎም ሓደ ሰብኣይ ደለኹ፤ ግናኸ፥ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።
ምእንቲ ኽውዕን፥ እቲ ነሃስ ድማ ኽረስንን፥ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዝዕገት ክመክኽን እቲ ምምራቱ ኸዓ ኽጠፍእንስ፥ ጥራሑ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ሰኽትቶ።
“በደሎም ክሳዕ ዝፈልጡ፥ ገፀይ ከዓ ኽሳዕ ዝደልዩ፥ ከይደ ናብ ቦታይ ክምለስ እየ፤ ብጊዜ መከራኦምውን ፈፂሞም ክደልዩኒ እዮም።”
ኣብ ምድቃሶም ኮይኖም ይበኽዩ ነበሩ እምበር፥ ብልቦም ናባይ ኣየእወዩን፤ ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፤ ኣብ ልዕለይ ግና ዓመፁ።
“ኵላቶም ከም እቶን ዝረሰኑ እዮም፤ ንፈረድቶምውን ይውሕጥዎም፤ ኵሎም ነገስታቶም ድማ ወደቑ፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ናባይ ዘእዊ የለን።”
ኣቱም ስመይ እተቃልሉ ኻህናት፥ “ውሉድ ነቦኡ፥ ባርያውን ንጐይታኡ የኽብር እዩ፤ እምበኣር ኣቦ እንተ ኾይነ፥ ክብረተይ ኣበይ ኣሎ? ጐይታ እንተ ኾይነኸ፥ ተፈራሕነተይ ኣበይ ኣሎ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፥ “ስምካ ዘቃለልናዮ ኸመይ እዩ?” ትብሉ ኣለኹም።
ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ናይ ኣቦታትና ቓል ኪዳን ንምርካስ ንስንሳትና ንሓውና እነታልል?