5 ተሓጕሶም ፅድቂ ንዝገብሩን፥ ከም ፍቓድካ ንዝነብሩን፥ ብመንገድኻ ንዝሓስቡኻን፥ ትራኸቦም ኢኻ። ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ ንስኻ ድማ ተቘጣዕኻና፤ ኣብ ሓጢኣትናውን ነዊሕ ዘመን ነበርና፤ ከመይ ኢልና ደኣ ኽንድሕን ኢና?
ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይነብር፤ ፅድቁ ኸዓ ኣብቶም ውሉድ ወለዶ እዩ።
ሃሌ ሉያ። ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ንትእዛዛቱውን ዝሕሉ ሰብ የመና ብፁእ እዩ።
ነቶም ቃል ኪዳኑን ምስክሩን ዝሕልዉ፥ ኵሉ መንገዲ እግዚኣብሄር ሕያዋይነትን ሓቅን እዩ።
ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልካ፤ ልብኻ ዝደልዮውን ንሱ ኽህበካ እዩ።
“ካብ መሬት ዝተሰርሐ መሰውኢ ግበረለይ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣባጊዕኻን ኣብዑርካን ዝቃፀል መስዋእትኻን፥ መስዋእቲ ድሕነትካን ሰውእ። ስመይ ክዝከር ኣብ ዝገበርኩሉ ዅሉ ቦታ ናባኻ መፂአ ኽባርኸካ እየ።
ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለፀልካ እየ፤ ካብቲ መኽደን፥ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል፥ ኵሉ እቲ ንደቂ እስራኤል ዝኸውን ትእዛዝ ክህበካ እየ።
ነዝ መሰውኢ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ቕድሚ ታቦት ኪዳን ተሰቒሉ ዘሎ መጋረጃ ኣንብሮ፤ ኣብቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከቦ መኽደን ታቦት ኣቐምጦ። ኣብኡ ኸዓ ኣነ ምሳኻ ኽራኸብ እየ።
ቈፅላ ኸም ዝፀምለወ ኦምን፥ ማይ ከም ዘይብሉ ኣታኽልትን ክትኮኑ ኢኹም።
በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ብዘይ ንስኻ፥ ካልኦት ጐይቶት ገዚኦምና ነይሮም፤ ንሕና ግና ስምካ ጥራሕ ኢና እንዝክር።
ኰብኰቦም፤ ሰጐጎም፤ ቀፅዖም፤ ንፋስ ምብራቕ ከም ዝነፍስ ብሓያል ህቦብላ ኣወገዶም።
ንሳቶም ግና ኻብኡ ኸድዑ፤ ንቕዱስ መንፈሱውን ኣሕዘንዎ፤ ስለዙይ ፀላኢኦም ኮነ፤ ባዕሉውን ተዋግኦም።
ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልና ዅሉ ሰናይ ግብርን፥ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ፥ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ።
“ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ በደልና፤ ክፍኣት ገበርና፤ ከዳዓትውን ኮንና፤ ካብ ትእዛዛትካን ካብቲ ሕግጋትካን ኣግለስና።
ኦ ኤፍሬም ከመይ ገይረ ኽሓድገካ? ኦ እስራኤል፥ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ? ከመይ ገይረኸ ኸም ኣዳማ ኽድርብየካ? ከመይከ ኸም ሲባዮ ኽገብረካ? ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወፀ፤ ኵሉ ምሕረተይውን ተለዓዒሉ እዩ።
ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ። ንሱ ብርግፅ ከም ወጋሕታ ተዳልዩ ኽንረኽቦ ኢና፤ ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ዝናም ፅብሓት፥ ከም ዝናም ክረምትውን ናባና ኽመፅእ እዩ።”
ኢያሱ ኸዓ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ።
“ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ፤ ስለዙይ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ፥ ፈፂምኩም ኣይጠፋእኹምን።
እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ።