2 ስምካ ኣብ ፀላእትኻ ምእንቲ ኽፍለጥ፥ ከምቲ ሓዊ ንጭራሮ ዘንድዶ፥ ንማይውን ዘፍልሖ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ቐጥቀጥ ምእንቲ ኽብሉ፥
ሓይሉ ምእንቲ ኸፍልጥ፥ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሓኖም።
“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”
ኣህዛብ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ?” ምእንቲ ኸይብሉና፥ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍለጡ።
ኦ ኣምላኸይ፥ ከም በነንታ፥ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዘሎ ሓሰር፥ ግበሮም።
ኦ ጐይታ፥ ፍርሓት ኣሕድረሎም፤ ኣህዛብውን ሰብ ምዃኖም ይፍለጡ።
እግዚኣብሄር ነገሰ፤ ኣህዛብ ይደንግፁ፤ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐመጠ፤ ምድሪ ትናወፅ።
ኣነ ድማ ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሬኹም ስዒቡ ኸሳጕጐኩም እዩ። ሽዑ ኣነ ንፈርዖንን ንዅሉ ሰራዊቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። ግብፃውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምኡ ገበሩ።
እግዚኣብሄር ነቲ ተኣምራታዊ ስራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ነቲ ጋሻ ዝኾነ ተግባሩ ምእንቲ ኽፍፅም፥ ከምቲ ኣብ እምባ ፐራሲም ዝነበረ ይትስእ፤ ኣብ ለሰ ገባዖን ከም ዝነበረ ኸዓ ይቝጣዕ።
ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ፥ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃንካ ምእንቲ ኽፈልጣስ፥ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።”
እቲ ንኽቡር ቅልፅሙ፥ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፥ እቲ ንባዕሉ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኽገብር፥ ንማያት ኣብ ቅድሚኣቶም ዝኸፈለ ኣበይ ኣሎ?
እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እቲ ዅሉ ንኣኣ ዝገበርክዎ ሰናይ ነገር፥ አብ ቅድሚ እቶም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንስም ንደስታ ንምስጋና ንኽብሪ ኽትኮነኒ እያ፤ ካብቲ ዅሉ ኣነ ዝህባ ሰናይን ሰላምን ዝተልዓለ ድማ፥ ክፈርሑን ከንቀጥቅጡን እዮም።”
ንኣይ ክትፈርሑኒዶ ኣይግብአኩምን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድመይ ዘይትድንግፁ፥ ብሑፃ ገይረ ብናይ ዘለኣለም ትእዛዝ ንኸይሓልፍ ንባሕሪ ደረት ገበርኩሉ፤ ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዐ ኣይሓልፎን፤ እንተ ሃመመውን ከቶ ኣይሳገሮን።
“ስለዙይ ኣታ እስራኤል፥ ኣነ ኸምዙይ ክገብረካ እየ፤ ከምዙይ ስለዝገብረካውን ኣታ እስራኤል፥ ኣምላኽካ ንኽትራኸብ ተዳሎ።”
ሽዑ እምባታት ከምቲ ሽምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፥ ከምቲ ብፀድፊ ወሪዱ ዝፈስስ ማይ ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፤ ሽንጥሮታት ከዓ ኽጭደዱ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብቲ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘሎ ደብረ ዘይት፥ ኣእጋሩ ኽቖማ እየን። ደብረ ዘይት ኻብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ፥ ኣብ ክልተ ኽስንጠቕ እዩ። የመና ዓብዪ ለሰውን ክኸውን እዩ። ፍርቂ እቲ እምባ ናብ ሰሜን፥ ፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ክሰሓብ እዩ።
ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብታት፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ብኣኻትኩም ከም ዘንቀጥቅጡን ከም ዝሽበሩን ክገብሮም እየ። ወረኹም ምስ ሰምዑ፥ ኣብ ቅድሜኹም ክፈርሑን ራዕዲ ድማ ኽሕዞምን እዩ” በለና።