12 ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝ ኵሉ ኾይኑ፥ ክትዕገስ ዲኻ? ብሓቂዶ ስቕ ክትብል ኢኻ? ብዘይ መጠንዶ ኽተጨንቐና ኢኻ?
ኦ ጐይታ፥ ንምንታይ ርሒቕካ ቆምካ? ብጊዜ መከራኸ ስለ ምንታይ እትኽወል?
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትቝጣዕ? ቅንኣትካኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ?
ኦ ጐይታ፥ ከማኻ መን እዩ? ኦ ኣምላኽ፥ ስቕ ኣይትበል፤ ሸለልውን ኣይትበል።
“ካብ ቀደም ጀሚረ ስቕ ኢለ ኣለኹ፤ ስቕ ኢለውን ተዓጊሰ ኣለኹ፤ ሕዚ ግና ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ዓው ኢለ ድምፂ አስምዕ ኣለኹ፤ ብእህታ ብምንኣኽውን አተንፍስ ኣለኹ።
ካብ ሰማይ ረአ፤ ካብቲ መሕደሪ ቅድስናኻን ክብርኻን ጠምት፤ ሓይልኻን ቅንኣትካን ኣበይ ኣሎ? እቲ ንኣና ዘለካ ርህራሀ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ።
“እንሆ፥ እዙይ ኣብ ቅድመይ ተፅሒፉ እዩ፤ ብዝገበርዎ ኽቐፅዖም እየ እምበር፥ ሸለል ኣይብሎምን እየ። ንበደሎም፥ ምስኡውን ንበደል ኣቦታቶም፥ ኣብ ሕቝፎም ክፈድዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነዘን ሰብዓ ዓመት ዝተቘጣዕኻየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን?” በሎ።
ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፦ “ኦ ቕዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ? ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም? እናበሉ ጠርዑ”