4 ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ክሃንፁ፥ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኸቑሙ፥ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝፈረሳ ኸተማታት፥ ክሕድሱ እዮም።
ንሕና ባሮት ኢናሞ፥ ኣምላኽና ግና ብባርነትና ኣይሓደገናን፤ ምሕዳስ ህይወት ምእንቲ ኽህበና፥ ቤት ኣምላኽናውን ክንሰርሕ፥ እቲ ዝፈራረሰ ቅፅርውን ክንሕድስ፥ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ቅፅሪ ኽግበረልና ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረቱ ሃበና።
ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ተኣምራትውን ክትሪኡ ንዑ።
ፀላኢ ኣብ ቅዱሳንካ ኸም ዘኽፍአ መጠን፥ ኵልሻዕ ኣብ ትዕቢቶም ኢድካ ኣልዕል።
ኣትን ዑናታት ኢየሩሳሌም፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘፀናንዖ፥ ንኢየሩሳሌምውን ስለ ዝተቤዘዋ፥ ብሓጐስ ዕልል በላ፤ ሓቢርክን ከዓ ዘምራ።
ደቅኻ፥ ነቲ ቐደም ዝዓነወ ኽነድቑ እዮም፤ መሰረት ናይ ብዙሓት ትውልድታት ክተቕውም ኢኻ። ንስኻ ኸዓ ነዳቒ ፍሩስን፥ ናይ መንበሪ መንገዲ መዐረዪን፥ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ።”
እታ መካበቢያኺ እትስርሐላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ በታ መዓልቲ እቲኣውን ወሰንኪ ኽሰፍሕ እዩ።
እቲ መልኣኽ ከዓ ቐፂሉ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ከተማታተይ ገና ሰናይ ብዝኾነ ዅሉ ኽረውያ እየን፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኸተማ ፅዮን ገና ኸፀናንዓ እዩ፤ ንኢየሩሳሌምውን መሊሱ ኽሓርያ እዩ’ ይብል ኣሎ ኢልካውን ስበኽ” በለኒ።