3 “እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
መርዶክዮስ ድማ ሰማያውን ፃዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፥ ዓብዪ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፥ ብሃሪ ዝተኣልመ ቐይሕን ፃዕዳን ዓለባ ተወንዚፉ፥ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ከተማ ሱሳ ኸዓ ዕልል እናበለት ተሓጐሰት።
እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ኣይሁድ ካብ ፀላእቶም ዝዓረፉለን መዓልቲታት እየን። እዝ ወርሒ እዙይ ከዓ፥ ካብ ሓዘን ናብ ሓጐስ፥ ካብ ብኽያት ናብ ፅቡቕ ዝተለወጠሉ ዕለት እዩ። ነዘን መዓልቲታት እዚኣተን መዓልቲታት ድግስን ሓጐስን ክገብርወን፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶታት ክወሃሃቡ፥ ንድኻታት ድማ ምፅዋት ክምፅውቱ ኣዘዞም።
ወይኒ ንልቢ ሰብ የሐጕስ፤ ዘይቲውን ንገፅ የብርህ፤ እኽሊውን ንብርኪ ሰብ የጠንክር።
እግዚኣብሄር ብህዝቡ ተሓጕሱ እዩሞ፥ ንየዋሃን ብምድሓኑ ልዕል ልዕል የብሎም እዩሞ።
ኣብ ቅድመይ ማእዲ ኣዳለኻለይ፤ ኣብ ቅድሚ ፀላእተይ ንርእሰይ ብዘይቲ ቐባእኻ፤ ፅዋዐይ መሊኡ ይፈስስ ኣሎ።
ክብረይ ክትዝምረልካ፥ ስቕውን ከይትብልስ፥ ንብኽያተይ ናብ ታሕጓስ ለወጥካለይ፤ ወጮይ ቀንጢጥካ ታሕጓስ ኣዕጠቕካኒ።
ኦ ኣምላኸይ፥ ንዘለኣለም ከመስግነካ እየ።
ንፅድቂ ፈተኻ፤ ንዓመፃ ድማ ፀላእኻ፤ ስለዙይ ሕልፊ ብፆትካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ።
ኵልሻዕ ፃዕዳ ተኸደን፤ ርእስኻ ድማ ዘይቲ ተቐባእ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
እቲ ሓቂ ዝሕሉን ፃድቕ ዝኾነን ህዝቢ፥ ምእንቲ ኽኣቱ በርታት ክፈቱ።
ነዙይ ዝገበሮ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት ዕልል በሉ፤ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተቤዚውዎ፤ ክብሩ ኸዓ ኣብ እስራኤል ገሊፁ እዩ እሞ፥ ኣቱም መዓሙቝ ምድሪ፥ ብታሕጓስ ዘምሩ፤ ኣቱም እምባታት፥ ኣቱም ኣብ ዱር ዘለኹም ኵልኻትኩም ኣእዋም፥ ዓው ኢልኩም ዘምሩ።
ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥ ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤ ድሕነት ኣብ ፅዮን፥ ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”
ኣቲ ፅዮን ተስኢ፤ ተስኢ፤ ሓይልኺ ልበሲ፤ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ናይ መዓርግ ልብስኺ ልበሲ፤ ድሕሪ ሕዚ ዘይተገርዘን ርኹስን፥ ናባኺ ኣይኣቱን እዩ እሞ።
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
ሽዑ እታ ድንግል ብጐይላ ባህ ክብላ እዩ፤ ኣጓብዝን ኣረጋውያንንውን፥ ሓቢሮም ክሕጐሱ እዮም፤ ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክልውጦ እየ፤ ከፀናንዖምውን እየ።
ንናእዳ ዝኾኖም ተኽሊ ኸተስአሎም እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኣብታ ምድሪ ብጥሜት ኣይጠፍኡን፤ ድሕሪ ደጊም ድማ ፀርፊ ህዝብታት ኣይፆሩን እዮም።
ምስ ተመለስኩ፥ እንሆ ወሰና ወሰን እቲ ውሕጅ፥ በዙይን በቱይን ብዙሕ ኣእዋም ነበሮ።
መሊሱ ድማ “ኣብ ርእሱ ፅሩይ መጠምጠሚያ ጠምጥሙሉ” በሎም። ንሳቶም ድማ ንኢያሱ ፅሩይ መጠምጠሚያ ጠምጠሙሉ፤ ክዳውንቲውን ከደንዎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ጥቓኡ ቖይሙ ነበረ።
ንሱ ኸዓ መሊሱ “ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዅሉ ተኽሊ ኽብቈስ እዩ፤
ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ‘ዝበለፀ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምፂእኹም ክደንዎ፤ ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ፥ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ግበሩሉ፤
ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም።
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፤ ዓለም ግና ደስ ክብሎ እዩ፤ ንስኻትኩም ክትሓዝኑ ኢኹም፤ ግና እቲ ሓዘንኩም፥ ናብ ሓጐስ ክልወጥ እዩ።
ንሕና ምስ እግዚኣብሄር እንሰርሕ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና፥ ግራት እግዚኣብሄርን፥ ህንፃ እግዚኣብሄርን ኢኹም።
ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፤ ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።
ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ።
ፅድቂ ፈተኻ፤ ዓመፅውን ፀላእኻ፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ሕልፊ ብፆትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ” ይብል።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ስለ ዝሓድር፥ ብፁኣን ኢኹም።