2 እንሆ፥ ፀልማት ንምድሪ፥ ጣቓ ድማ ንኣህዛብ ከጐልብቦም እዩ፤ ንኣኺ ግና እግዚኣብሄር ክወፅእ፥ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኽረአ እዩ።
ነቲ ቤተ መቕደስ ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ስለ ዝነበረ ግና፥ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደመና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን።
እግዚኣብሄር ንፅዮን ክሓንፃ እዩ እሞ፤ ብኽብሩውን ኽግለፅ እዩ።
ንዮሴፍ ከም መጓሰ ኣባጊዕ እትመርሕ፥ ኦ ጓሳ እስራኤል፥ ፅን በል። ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፥ ተገለፅ።
እምበኣር ኣቱም ቤት ያእቆብ፥ ንዑ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ።
እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝእከቡን፥ ብመዓልቲ ደመናን ትክን፥ ብለይቲ ኸዓ ሃልሃል ዝብል ብርሃን ሓዊን ክፈጥር እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኽብሪ መጋረጃ ክኸውን እዩ።
ነርዑት ባርነትን፥ ንናይ ንዕቐት ምውጥዋጥ ኣፃብዕትን፥ ንሕማቕ ዘረባን፥ ካብ ማእኸልካ እንተ ኣርሒቕካ፥ ካብ ናይ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፥ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንተፅገብካ፥ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ፀልማት ክበርህ፥ ፀልማትካውን ከም ቀትሪ ክኸውን እዩ።
“ሽዑ ብርሃንካ ኸም ጩራ ወጋሕታ ኽበርህ፥ ፈውስኻውን ቀልጢፉ ኽበቍል፥ ፅድቅኻ ቀቅድሜኻ ክኸይድ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ብድሕሬኻ ኾይኑ ኽሕልወካ እዩ።
ፅድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፥ ምድሓና ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ፋና ኽሳዕ ዝወፅእ፥ ስለ ፅዮን ስቕ ኣይብልን፤ ስለ ኢየሩሳሌምውን ኣየዕርፍን እየ።
ዘፀናንዑ ኣጥባታ ኽትጠብዉ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ክንዲ ዝደለኹም ሰቲኹም ድማ፥ ደስ ክብለኩም እዩ።
ናብ ምድሪ ድማ ኽጥምቱ እዮም፤ ኣብኡውን መከራን ፀልማትን ዘሸብር ፅልግልግታን ኣሎ፤ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትውን ክስደዱ እዮም።
እግዚኣብሄር ፀልማት እንተይሰደደ፥ ኣብቲ ዝፀልመተ እምባ ኸዓ፥ ኣእጋርኩም እንተይተሰናኸለ፥ ነታ እትፅበይዋ ብርሃን ናብ ፅላሎት ሞትን፥ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትን እንተይለወጣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክብሪ ሃብዎ።
ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተልዓለ፤ ናብ ልዳት እታ ቤት ከዓ ኸደ፤ እታ ቤት ድማ ብደመና መልአት፤ እቲ ዓፀድውን ብፀዳል ክብሪ እግዚኣብሄር መሊኡ ነበረ።
ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተዉ። ወፂኦም ከዓ ነቶም ህዝቢ ባረኽዎም። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ተገለፀሎም።
ስመይ ንእትፈርሑ ነኣኻትኩም ግና፥ ፀሓይ ፅድቂ ኣብ ኣኽናፋ ፈውሲ ሒዛ ኽትወፅእ እያ። ንስኻትኩምውን ክትወፁ ኢኹም፤ ከም ዝሰብሐ ብተይውን ክትዕንድሩ ኢኹም።
ቆሬ ድማ ንዅሎም ሰዓብቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣከቦም። ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እቲ ማሕበር ተርኣየ።
ሕደግዎም፤ ዕዉራን፥ መራሕቲ ዕውራን እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ፥ ክልቲኦም ናብ ጕድጓድ ይወድቁ” በሎም።
ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? መስዋእቲዶ ወይ እቲ ንመስዋእቲ ዝቕድሶ መሰውኢ?
ኣቱም ትኒንያ እተፅርዩ፥ ግመል ግና እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም!
ብመጀመርታ ቓል ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ፤ እቲ ቓልውን እግዚኣብሄር ነበረ።
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።
ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፤ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ በልኩ ከዓ፥ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምኾንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፥ ቃሉውን እሕሉ እየ።
ብዝሓለፈ ዘመናት፥ እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣህዛብ፥ በብዝደለይዎ መንገዲ ክኸዱ ሓደጎም።
እናዞርኩ እቲ እተምልኽዎ ጣዖትኩም ክርኢ እንተለኹ፥ ‘ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ’ ዝብል ዝተፅሓፎ መሰውኢ ረኸብኩ፤ እምበኣርከስ ብዛዕባ እዝ እንተይፈለጥኩም እተምልኽዎ ኣምላኽ፥ ንእኡ ኣፍልጠኩም ኣለኹ።
ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”
ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።
ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።