8 ሽዑ ናይ እግዚኣብሄር ድምፂ “ንመን ክልእኽ? መንከ ክኸደልና እዩ?” እንትብል ሰማዕኹዎ። ኣነውን “እኒሀኹ ንኣይ ለኣኸኒ” በልኩ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን፥ ንዅላ ምድርን ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ይግዝኡ” በለ።
እምበኣር ንስንሳቶም ምእንቲ ኸይሰማምዑ፥ ንዑ ንውረድሞ ቛንቋኣቶም ንደባልቕ” በለ።
ድሕሪዙይ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ፈተኖ፦ “ኣብርሃም” ኢሉውን ፀውዖ። ኣብርሃም ከዓ “እኒሀኹ” በለ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ሰማይ “ኣብርሃም! ኣብርሃም!” እናበለ ፀውዖ። ኣብርሃምውን “እኒሀኹ” በለ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ “እንሆ፥ ኣዳም ፅቡቕን ክፉእን ብምፍላጥ ካባና ኸም ሓደ ኾነ። ሕዚ እውን ኢዱ ኸይዝርግሕ፥ ካብ ኦም ህይወት ድማ ወሲዱ ኸይበልዕሞ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ኸይነብር” ኢሉ ኻብ ገነት ኣውፅኦ።
ንድሕሪኡ ግልፅ ኢሉ ሪኡኒ ኸዓ ፀውዐኒ። ኣነ ድማ ‘እኒሀኹ’ በልኩ።
እግዚኣብሄር ድማ ‘ንኣክኣብ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደዪቡ ኽዋጋእ እሞ ኣብኣ ኽወድቕስ መን የጋግዮ?’ በለ። “እቶም ምስኡ ዝነበሩ ድማ ‘ሓደ ኸምዙይ፥ እቲ ሓደ ኸዓ ኸምቱይ’ በሉ።
“ንዘይጠየቑኒ ተገለፅኩ፤ ንዘይደለዩኒውን ተረኸብኩ፤ ብስመይ ንዘይተፀውዐ ህዝቢ ኸዓ ‘ኣለኹልካ፥ ኣለኹልካ’ በልክዎ።
ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ድምፂ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ድምፂ ሰራዊት ሰማዕኹ፤ ደው ክብሉ እንተለዉ፥ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ።
ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከዓ፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክዛረብ እንተሎ ኾይኑ፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዓፀድ ተሰምዐ።
ኣብ ኣእዛነይ ከዓ፥ እቶም ነታ ኸተማ ዝቐፅዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ዘጥፍአሉ ኣፅዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ ይቕረብ፥ እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ።
ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”
ንሱ ኸዓ ‘ኣነ፥ ኣብ ርሑቕ ናብ ዘለዉ ኣህዛብ፥ እልእኸካ ኣለኹ እሞ ኺድ’ በለኒ።”
“እምበኣር፥ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን።
ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ።
ካብ ኵሎም ቅዱሳን ንዝነኣስኩ ንኣይ፥ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ፥ ንኣህዛብ ክሰብኽ፥ እዝ ፀጋ እዙይ ተውሃበኒ።
እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ “እኒሀኹ” ኢሉ መለሰ።