7 ብእኡ ኸዓ ኣፈይ ነኽአ እሞ “እንሆ፥ እዙይ ንኸናፍርካ ነኺእዎ እዩ፤ በደልካ ተወጊዱልካ፥ ሓጢኣትካውን ተሓዲጉልካ እዩ” በለኒ።
ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።
ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።”
“እግዚኣብሄር ግና ብስቓይ ከድቅቖ ፈቐደ፤ ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈየ፥ ዘርኡ ኽርኢ ዕድሚኡውን ክነውሕ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኢዱ ኽፍፀም እዩ።
ንሱ ግና ብሰንኪ ሓጢኣትና ቘሰለ፤ ብሰንኪ በደልናውን ደቐቐ፤ ምእንቲ ድሕንነትና፥ መቕፃዕቲ ናብኡ ወረደ፤ ንሕናውን ብቝስሉ ተፈወስና።
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
ፍረ ኸናፍር ክፈጥር እየ፤ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ንዘለዉ ሰላም፥ ሰላም ይኹን፤ ኣነ ኸሕውዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርግሐ እሞ ኣፈይ ዳህሰሰኒ፤ “እንሆ፥ ክትዛረቦ ዝግብኣካ ቓል ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ እየ።
ድሕሪኡ ወዲ ሰብ ዝመስል ከናፍረይ ነኽአኒ፤ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ ዝነበረውን ከምዙይ በልኩዎ፤ “ኦ ጐይታ፥ ካብቲ ራእይ ዝተልዓለ ተሳቐኹ፤ ሓይልውን ስኢነ ኣለኹ።
“በታ እዋን እቲኣ፥ ኵሎም ኣህዛብ ብሓባር ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸገልግልዎን፥ ስሙውን ምእንቲ ኽፅውዑን፥ ንፁህ ልሳን ክህቦም እየ።
ንሱውን ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ “ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ኻብኡ ኣወግድዎ” በሎም። ንኢያሱ ድማ “ንእኡውን እንሆ፥ በደልካ ኣርሒቐልካ ኣለኹ፤ ዝበለፀ ኽዳውንቲ እውን ክኸድነካ እየ” በሎ።
ሙሴ ኸዓ ንኣሮን “ካብ እግዚኣብሄር፥ ቍጥዓ ወሪዱ፥ መዓት ጀሚሩ እዩ እሞ፥ ፅንሃህካ ወሲድካ ኻብ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፤ ዕጣን ከዓ ኣእትወሉ፤ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ ህዝቢ ኺድ እሞ፥ ሓጢኣቶም ኣስተስርየሎም” በሎ።
እንሆ ኸዓ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሓደ መፃጕዕ ናብኡ ኣምፅኡሉ፤ ኢየሱስ ድማ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ኣይዞኻ ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።