4 ካብቲ ዓው ኢሎም ዘስምዕዎ ድምፂ ዝተልዓለ፥ መሰረት እቲ ልዳውቲ ተናወፀ፤ ነቲ ቤትውን ትኪ መልኦ።
እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን ድምፆም ብሓደ ኣስምዑ። ብመለኸትን ብፀናፅልን ብኻልእ ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃን ተሰንዮም፥ “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ምሕረቱ ኸዓ ንዘለኣለም እዩ” እናበሉ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ሽዑ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደመና መልኦ።
ካብ ቍጥዓኡ ትኪ ወፀ፤ ካብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ነደደ፤ ፍሕሚውን ኻብኡ በርሀ።
ብድሕሪኡ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ደመና ሸፈኖ፤ ነቲ ድንኳን ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር መልኦ።
ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ድምፂ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ድምፂ ሰራዊት ሰማዕኹ፤ ደው ክብሉ እንተለዉ፥ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ።
ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከዓ፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክዛረብ እንተሎ ኾይኑ፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዓፀድ ተሰምዐ።
መድረኻትን እቲ ብሽቦ እተሰርሐ መሳዅትን፥ እቲ ኣብ ዙርያ እተን ሰለስተ ደብርታት ዘሎ መተሓላለፍን፥ ኣንፃር እቲ ልዳት፥ ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሳዅቲ ድማ ኽዱን ነበረ።
ድሕሪዙይ ድማ ብመንገዲ እታ ደገ ሰሜን ኣቢሉ፥ ናብ ቅድሚ እታ ቤት ኣምፅአኒ። ጠመትኩ፤ እንሆ ኸዓ ኽብሪ እግዚኣብሄር፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዋ ነበረ። ኣነውን ብገፀይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ።
ንጐይታ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ረአኽዎ። ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እቲ ልዳውቲ ኽሳዕ ዝነቓነቕ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፤ ተሰባቢሩ ኸዓ ኣብ ርእሲ እቶም ህዝቢ ይውደቕ። ኣነ ኸዓ ነቶም ካብኣቶም ዝተረፉ፥ ብሰይፊ ኽቐትሎም እየ። ካብኣቶምስ ሓደ እኳ ኣየምልጥን፤ ዘምልጥውን ኣይድሕንን እዩ።
እታ፥ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ እግዚኣብሄር ተኸፈተት፤ ኣብታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን፥ ታቦት ኪዳኑ ተርኣየ፤ መብረቕን፥ ድምፂ ነጐድጓድን፥ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብርቱዕ በረድን ድማ ኾነ።
እታ መቕደስ ድማ፥ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ግርማን ሓይልን ዝተልዓለ፥ ብትኪ መልአት። ናይቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ሸውዓቲአን መቕሰፍትታት ክሳዕ ዝውድኣ ኸዓ፥ ሓደኳ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን።