10 ቀፂሉ ኸዓ “ምእንቲ በዒንቶም ከይሪኡ፥ በእዛኖም ከዓ ኸይሰምዑ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፥ ንልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድፈኖ፤ ነእዛኖም ኣፅምመን፤ ነዒንቶምውን ኣዐምተን” በለኒ።
ልቦም ከም ፀባ ረግአ፤ ኣነ ግና ብሕግኻ እሕጐስ ኣለኹ።
ኣምዑቶም ብስብሒ ቛፀሩ፤ ብኣፎም ድማ ትዕቢት ተናገሩ።
ኣዒንቶም ከይሪኣ ይፀልምታ፤ ዝባናቶምውን ኵልሻዕ ይጕበጥ።
እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ኽሰዶም ኣይፈተወን።
ሙሴን ኣሮንን ከዓ ነዝ ዅሉ ተኣምራት እዙይ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኸይኸዱ ኸልከሎም።
ኣነ ድማ እንሆ ንልቢ ግብፃውያን ከትርር እየ። ንሳቶምውን ደድሕሬኹም ክስዕቡ እዮም። ኣነ ኸዓ ንፈርዖንን ንዅሎም ሰራዊቱን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ብምስዓር ክኸብር እየ።
ኣነ ግና ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ምልክታተይን ተኣምራተይን ከብዝሕ እየ።
በዒንቱ ዝጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፤ ከናፍሩ ዝነክስ ከዓ ንኽፍኣት ይፍፅም።
ንምቕታል ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድሓን ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፍራስ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምስራሕውን ጊዜ ኣለዎ።
እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ኽወቕዖም እዩ፤ ወቒዑ ግና ኽፍውሶም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ እዮም፤ ንሱውን ክሰምዖምን ክፍውሶምን እዩ።
ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ቍሩብ ኣብዙይ፥ ቍሩብ ኣብቱይ ክኾኖም እዩ። ስለዙይ ክኸዱ እንተለዉ ጥንቅልዒት ክወድቑ ክስበሩ ብመፈንጠርውን ክትሓዙ እዮም።
እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑልኩም እዩ እሞ፥ ነዒንትኹም ደፈነ፤ ንነቢያትን ንመራሕትኹምን ንሰብ ራእይን ከዓ ኣዐመቶም።
ስለዙይ ኣብ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ ተግባርን ተኣምራትን፥ ወሲኸ ኽገብር እየ። ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ክጠፍእ፥ ምስትውዓል እቶም መስተውዓልቲውን ክስወር እዩ።”
ተደነቑን ተገረሙን፤ ተዓመቱን ዕዉራትውን ኩኑ፤ ስኹራት እዮም ግና ብወይኒ ኣይኮነን።
እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ከይሪኡ ኣዒንቶም ስለ ዝዓመቱ፥ ከየስተውዕሉ ኸዓ ልቦም ስለ ዝደፈኑ፥ ሓደ እኳ ኣይፈልጡን፤ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም።
ኦ እግዚኣብሄር! ካብ መንገድኻ ኽነግልስ፥ ከይንፈርሐካ ኸዓ፥ ልብና ኽተርር ዝሓደግካና ስለ ምንታይ ኢኻ? ስለ ባሮትካ፥ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ።
“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?
ኣቱም ልቢ ዘይብሎም፥ ዓይኒ እንተለዎም ዘይሪኡ፥ እዝኒ እንተለዎም ድማ ዘይሰምዑ ሰነፋት ህዝቢ፥ ነዙይ ስምዑ።
ኣነ ኸዓ “እንሆ እዝኖም ዘይተገረዘ፥ ክሰምዑ ዘይኽእሉ እዮም። ንቓል እግዚኣብሄር ከም ነውሪ ስለ ዝቘፀርዎ፥ ደስ ኣየብሎምን እዩ። እሞኸ ደኣ ምእንቲ ኽሰምዑስ ንመን እየ ዝዛረብ? ንመንከ እየ ዘጠንቅቕ?
ንልቦም ኣደንዝዞ፤ መርገምካውን ኣውርደሎም።
እግዚኣብሄር ከዓ “መሊስካ ኣቕሓ እቲ ሰነፍ ጓሳ ውሰድ” በለኒ።
“ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፥ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱለይ፤ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ኣፅመሙ።
በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣፅመሙ፤ በዒንቶም ከይሪኡ ኣዒንቶም ኣዐመቱ፤ ብልቦም ከየስተውዕሉ እሞ ኸይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምስ፥ ልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድንዙዝ እዩ።’
እምበኣር ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽድምሰሰልኩም፥ ካብ ገፅ እግዚኣብሄርውን፥ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኽመፀልኩም፥
ነዚኣቶም፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብፅሕ መዓዛ፥ ነቲኣቶም ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብፅሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ ብቑዕ እየ ዝብልከ መን ኣሎ?
ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸምዝ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድና ኽህበና፥ ንመንፈሱ ኣትረሮ፤ ንልቡ ኸዓ ተፃራሪ ገበሮ እሞ ኸሕልፈና ኣይደለየን።
እቲ ዓበይቲ ፈተናታትን፥ እቲ ምልክታትን ዓበይቲ ተኣምራትን በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም።
ግና እግዚኣብሄር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እተስተብህሉሉ ልቢ፥ እትሪኡሉ ዓይኒ፥ እትሰምዑሉ እዝኒ ኣይሃበኩምን።
ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምስ ኣእተኹዎም፥ በሊዖምውን ምስ ፀገቡን ምስ ሃጠሩን፥ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኽምለሱን ከምልኽዎምን እዮም። ንኣይ ግና ኽንዕቑኒ ኺዳነይውን ከፍርሱ እዮም።
“ያእቆብ ግና በልዐ ሃጠረ እሞ ተራግሐ፤ ሰብሐ፥ ገዘፈ፥ ሰፍሐ፤ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ሓደጎ፤ ንኰዅሒ ምድሓኑ ነዓቖ።