9 ስለዙይ ፍትሒ ኻባና ረሓቐ፤ ፅድቂውን ኣይረኸብናን። ብርሃን ብተስፋ ንፅበ፤ እንሆ ኸዓ ፀልማት ኮነ፤ ድሙቕ ብርሃን ንፅበ፤ ግና ብፀልማት ኢና እንመላለስ ዘለና።
ኣነ ኸይሓልፍ ኢሉ ንመንገደይ ዓፅይዎ፤ መተሓላለፍየይውን ብፀልማት ሸፈኖ።
እንሆ፥ ሰላም ንምርካብ ተስፋ ገበርኩ፤ ግና መከራ መፀኒ፤ ንብርሃን ብትዕግስቲ ተፀበኹ፤ ግና ፀልማት መፀ።
ኣይፈልጡን፤ ኣየስተውዕሉን፤ ኣብ ውሽጢ ፀልማት ይመላለሱ፤ ኵሉ መሰረት ምድሪ ተናወፀ።
መንገዲ ኽፉኣት ግና ፀልማት እያ፤ እንታይ ከም ዘዕንቅፎምውን ኣይፈልጡን።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሞገድ ባሕሪ እናሃመሙ ኽመፁዎም እዮም። ናብ ምድሪ እንተ ተመልከቱ፥ እንሆ ፀልማትን መከራን ኣሎ፤ ብርሃንውን ኣብ ውሽጢ ደመናታት ይፅልምት።
ኵላትና ኸም ድብታት ነእዊ፤ ከም ርግቢታትውን ንቝዝም ኣለና። ፍርዲ ብተስፋ ንፅበ ኔርና፤ ግና ንሱውን የለን፤ ድሕነት ተፀበና፤ ግና ንሱውን ኻባና ረሓቐ።
ስለዙይ ፍትሒ ንድሕሪት ተመለሰ፤ ፅድቂ ኸዓ ኣብ ርሑቕ ቆመ፤ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩሞ፥ ቅንዕናውን ክኣቱ ኣይከኣለን።
ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፤ ኣብ ኣካይዳኦም ፍርዲ የለን፤ ንመንገድታቶም ይጠዋውይዋ፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ሰላም ኣይፈልጥን።
ንሳቶምውን ሸጊርዎምን ጠምይዎምን፥ ኣብታ ሃገር ከርተት ክብሉ እዮም። የመና ምስ ጠመዩ ድማ፥ ተቘጢዖም ንንጉሶምን ንኣምላኾምን ክረግሙ እዮም። ናብ ላዕሊውን ክጥምቱ እዮም።
ናብ ምድሪ ድማ ኽጥምቱ እዮም፤ ኣብኡውን መከራን ፀልማትን ዘሸብር ፅልግልግታን ኣሎ፤ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትውን ክስደዱ እዮም።
እግዚኣብሄር ፀልማት እንተይሰደደ፥ ኣብቲ ዝፀልመተ እምባ ኸዓ፥ ኣእጋርኩም እንተይተሰናኸለ፥ ነታ እትፅበይዋ ብርሃን ናብ ፅላሎት ሞትን፥ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትን እንተይለወጣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክብሪ ሃብዎ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቂ ፈፂምካዶ፥ ንይሁዳ ደርቢኻያ ኢኻ? ነፍስኻኸ ንፅዮንዶ ፀሊኣታ እያ? ስለ ምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቓዕኻና? ሰላም ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ፥ ራዕዲ ኾነ።
ንሰላም ብተስፋ ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀ ኾነ።
ንሱ ብርሃን ናብዘይብሉ፥ ናብ ፀልማት መሪሑ ወሰደኒ።
ኖን። ሰብ ክዳውንቶም ንምንካእ ክሳዕ ዝፍንፍኖም፥ ብደም ረኺሶም፥ ከም ዕዉራት ኮይኖምውን፥ ኣብ ኣደባባያት ደርገፍገፍ ይብሉ ኣለዉ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ቀትሪ እንተሎ ንፀሓይ ከዕርባ፥ ድሙቕ መዓልቲ እንተሎውን ንምድሪ ኸፀልምታ እየ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ ኢየሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፥ እታ እትነብር ሰናይ ነገር ትፅበ ኣላ።
ኣዒንትኻ ኽፉእ ከይሪኣ የመና ፅሩያት እየን፤ ንሓጢኣት ክትጥምትውን ኣይትኽእልን። ነቶም መታለልቲኸ፥ ስለ ምንታይ ስቕ ኢልካ እትጥምቶም? ስለ ምንታይከ እቲ ሓጥእ፥ ነቲ ኻብኡ ዝፀድቕ እንትውሕጦ ስቕ እትብል?
ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።