8 ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፤ ኣብ ኣካይዳኦም ፍርዲ የለን፤ ንመንገድታቶም ይጠዋውይዋ፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ሰላም ኣይፈልጥን።
ነቶም ናብ ዘይቅኑዕ መንገዲ ዝምለሱ ግና፥ እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ ዓመፅ ክወስዶም እዩ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰላም ይኹን።
ንሳቶም ንመንገዲ ቕንዕና ሓዲጎም፥ ብመንገዲ ፀልማት ይኸዱ፤
ንሳቶም መንገዶም ዝጠዋውዩ፥ ኣካይዳኦም ድማ ዘቐይንኑ እዮም።
መንገዲ በደለኛ ቐይናን እያ፤ ንፁህ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ።
ብዘይ ነቐፋ ዝመላለስ ይድሕን፤ ብቐይናን መንገዲ ዝኸይድ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ይወድቕ።
መንገዳ መንገዲ ሓጐስ እዩ፤ ኵሉ ጐደናኣውን ሰላም እዩ።
“ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል እግዚኣብሄር።
ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ።
ኵላትና ኸም ድብታት ነእዊ፤ ከም ርግቢታትውን ንቝዝም ኣለና። ፍርዲ ብተስፋ ንፅበ ኔርና፤ ግና ንሱውን የለን፤ ድሕነት ተፀበና፤ ግና ንሱውን ኻባና ረሓቐ።
ስለዙይ ፍትሒ ኻባና ረሓቐ፤ ፅድቂውን ኣይረኸብናን። ብርሃን ብተስፋ ንፅበ፤ እንሆ ኸዓ ፀልማት ኮነ፤ ድሙቕ ብርሃን ንፅበ፤ ግና ብፀልማት ኢና እንመላለስ ዘለና።
ነቶም ሰናይ ብዘይኮነት መንገዲ፥ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ዝመላለሱ ኸዳዓት፥ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኹሎም።
ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ።
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ካብ ጨና ኣዳም፥ ካብ ሽላን፥ ካብ ከሙን ዓስራት እተውፅኡ፤ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፥ ፍትሒ፥ ምሕረት፥ እምነት ግና እትሓድጉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነዙይ ምግባር፥ ነቱይውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።
ንሱውን ኣብ ፀልማትን ኣብ ፅላሎት ሞትን፥ ንዝርከቡ ኸብርህ እዩ፤ ነእጋርና ድማ ናብ መንገዲ ሰላም ክመርሕ እዩ።”
ንመንገዲ ሰላምውን ኣይፈልጥዋን እዮም።