5 እንቍላሊሕ ገበል ይሓቝፉ፤ ዓለባ ሳሬት ከዓ ይኣልሙ፤ እቲ ኻብ እንቍላሊሖም ዝበልዕ ይመውት፤ እንተ ተሰበረውን መንደላይ ተመን ይወፅእ።
ተስፋኡ ይቋረፅ፤ እምነቱውን ከም ሰፈር ሳሬት ይኸውን።
ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፤ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ይነፅግ።
ኦ ፍልስጥኤም! እቲ ዝወቕዐኪ ዝነበረ በትሪ ስለ ዝተሰብረ ዅልኻትኩም ኣይትተሓጐሱ። ካብ ሱር ተመን ኣፍዑት ይወፅእ እዩሞ። ፍረኡውን ዝነፍርን ሓዊ ዝመስልን ገበል ይኸውን።
ጕጓ ኣብኣ ሰፈራ ትሰርሕ፤ እንቍላሊሓውን ክተውድቕ፥ እንቝላሊሓ ጨጪሓ ከዓ ንጨቓዊታ በኽናፋ ኽትሓቝፈን እያ። ኣብኡውን ኣሞራታት ነንሕድሕዶም ምስ ብፆቶም ክእከቡ እዮም።
ኣቱም ውሉድ ኣትማን! ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፥ ክፉኣት እንተለኹም፥ ከመይ ኢልኩም ፅቡቕ ምዝራብ ትኽእሉ?
ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ክጥመቑ እንትመፁ ምስ ረአየ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ መዓት ክተምልጡ መን ሓበረልኩም?