4 ብፅድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የለን፤ ብሓቂ ዝፈርድ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ከንቱነት ይእመኑ፤ ሓሰት ከዓ ይዛረቡ፤ ክፍኣት ይጠንሱ፤ ሓጢኣትውን ይወልዱ።
ዋጋኡ ኸንቱ ነገር ክኸውን እዩሞ፥ ንባዕሉ እናስሓተ ብኸንቱ ነገር ኣይተኣመን።
እዚኣቶም ክፍኣት ይጠንሱ፤ ጥፍኣት ድማ ይወልዱ፤ ከብዶም ከዓ ተንኰል የዳሉ።
እግዚኣብሄር፥ “ነቶም ጠበርቲ ኸናፍርን፥ ነታ ዓብዪ ነገር እትናገር መልሓስን ክነቕለን እዩ፤ ከናፍርናውን ናትና እዩ፤ ጐይታናኸ መን እዩ?” እናበሉ ንዝዛረቡ ሰባት፥ ከጥፍኦም እዩ።
ንዓመፅ ተስፋ ኣይትግበሩ፤ ብዘመተውን ኣይትተኣማመኑ፤ ሃብቲ እንተ በዝሐ ልብኹም ኣይተዓበ።
ግና ንኽብረይ ክስዕሩ መኸሩ፤ ሓሰትውን ፈተዉ፤ ብኣፎም ይምርቑ፤ ብልቦም ይረግሙ።
ጕድጓድ ኰዓተ፤ ኣዕመቖውን፥ ናብቲ ዝዀዓቶ ጕድጓድ ድማ ይወድቕ።
ንሳቶም ክፉእ እንተይገበሩ ኣይድቅሱን እዮምሞ፤ እንተ ዘይጐድኡውን ድቃስ ይኣብዮም እዩሞ።
ኣቱም ንፅጉማት ፍትሒ ኽትከልእዎም፥ ንድኻታት ህዝበይ ከዓ መሰሎም ክትግሕሱዎም፥ ንመበለታት ምርኮኹም ክትገብርወን፥ ንደኽታማት ድማ ምእንቲ ኽትከትርዎም ኢልኩም ሕግታት ዓመፃ እትሕግጉ፥ ሕሱም ሕግጋት ከዓ እትእውጁ፥ ወይለኹም!
ጠነስና፥ ፃዕሪ ሕርሲ ሓዘና፤ ንፋስ ከም ዝወለድና ኾንና፤ ንምድሪ እውን ድሕነት ኣየምፃእናላን፤ እቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩውን ይወድቑ።
ንስኻትኩም “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፥ ምስ ሲኦልውን ተወዓዒልና፤ ንሓሰት መፀግዒና፥ ንጥልመትውን መኸወሊና ጌርና ኢና እሞ፥ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽመፅእ እንተሎ ኣባና ኣይበፅሕን እዩ” ትብሉ ኣለኹም እሞ፥
ጨካናት ድሕሪ ደጊም ኣይህልዉን እዮም፤ እቶም መላገፅቲ ኽጠፍኡ፥ ንኽፍኣት ዘድብዩ ዅሎም ክውገዱ እዮም።
ስለዙይ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል፦ “ንቓለይ ንዒቕኩም፥ ኣብ ዓመፅን ክድዓትን ተወኪልኩም፥ ንእኡ መፀግዒ ኻብ ገበርኩም፥
ንሳቶም ዓመፀኛ ህዝቢ፥ ሓሰውቲ ውሉድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዘይደልዩ ውሉድ እዮምሞ።
ሓሰር ጠነስኩም፤ ቡቕቡቕውን ወለድኩም፤ እስትንፋስኩም ከዓ ዝበልዐኩም ሓዊ እዩ።
ሓሙዅሽቲ ይበልዕ፤ ዝታለል ልቢ ኣስሒትዎ፥ “እዝ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሰትዶ ኣይኮነን” ኣይብልን፤ ንባዕሉ ኸድሕን ኣይኽእልን እዩ።
“ብኽፍኣትኪ ተኣማሚንኪ፥ ‘ዝሪአኒ የለን’ በልኪ፤ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሓቱኺ፤ ብልብኺውን ‘ኣነ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን’ በልኪ።
እቶም ንበደል ብገመድ ሓሰት፥ ንሓጢኣት ከዓ ብመእሰሪ ሰረገላ ናብኣቶም ንዝስሕብዎ፥
ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ።
ሓቂ ተስኣነ፤ እቲ ኻብ ክፍኣት ዝረሓቐ ሰብ ድማ ርእሱ ንዘመተ የቃልዕ። እግዚኣብሄር ነዙይ ረአየ፤ ቅንዕና ስለ ዘየለ ኸዓ ሓዘነ።”
ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ።
ኣእዳውኩም ብደም፥ ኣፃብዕትኹም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ፤ ከናፍርኩም ሓሰት ይዛረባ፥ ልሳንኩምውን ክፍኣት ይናገር ኣሎሞ።
ገፅካ ኸዊልካልና፥ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኸዓ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፥ ስምካ ዝፅውዕን፥ ንኣኻ ኽሕዝ ዝትስእን፥ ሓደ እኳ የለን።
እቶም ዓበይትን ምርኡያትን ሰባት ንሳቶም ርእሲ እዮም፤ እቶም ሓሰት ዝምህሩ ነቢያት ከዓ ጭራ እዮም።
ሞኣብ ብግብርኽን ብሃብትኽን ስለ እትተኣማመኒ፥ ንስኺውን ክትተሓዚ ኢኺ፤ ካሞሽውን ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።
ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ።
መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ እናበልኩም ኣብ ቃል ሓሰት ኣይትተኣማመኑ።
“እንሆ፥ ንስኻትኩም ግና ኣብ ዘይጠቅም ቃል ሓሰት ትተኣማመኑ ኣለኹም።
ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
እቶም በደል ዝምህዙ፥ ኣብ መደቀሲኦም ከዓ ኽፉእ ዝፍሕሱ ወይለኦም! ስልጣን ኣብ ኢዶም ስለ ዝኾነ፥ ብብርሃን ወጋሕታ ኽፍፅምዎ እዮም።
ኣይሁድውን “እወ፥ እዝ ነገር እዙይ ልክዕ እዩ” በሉ።
ድሕሪዙይ ትምኒት ምስ ጠነሰት፥ ንሓጢኣት ትወልድ፤ ሓጢኣት ምስ ዓበየት ድማ፥ ንሞት ትወልድ።