21 ኣነስ ምስኣቶም ዘለኒ ኺዳን እዙይ እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ “እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይ፥ እቲ ኣብ ኣፍካ ዘንበርኩዎ ቓለይ፥ ካብ ኣፍካ ወይ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፥ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይፍለን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ብፍርድታትካ ተኣሚነ ኣለኹሞ፥ ቃል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈፂምካ ኣይተርሕቕ።
ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፤ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ድማ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ክኸውን እየ፤ እቲ እትገብርዎውን ክምህረኩም እየ።
ኣብ ኣፃብዕትኻ እሰሮ፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፎ።
እዙይ ዝኸውን መንፈሱ ኻብ ላዕሊ ኽሳዕ ዘፍስሰልና፥ እቲ ምድረ በዳ ኸም ፈራዪ መሬት፥ እቲ ልሙዕ መሬት ድማ ኸም ዱር ክሳዕ ዝቝፀር እዩ።
ሳዕሩ ይነቅፅ፤ ዕምበባኡውን ይረግፍ፤ ቃል ኣምላኽና ግና፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ይነብር።”
“እንሆ፥ ደጊፈ ዝሓዝኩዎ ባርያይ፥ ኣነ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ፥ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፤ ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ።
“ማይ ኣብቲ ፅሙእ ቦታ፥ ወሓይዝ ከዓ፥ ኣብቲ ንቑፅ መሬት ከፍስስ እየ፤ መንፈሰይ ኣብ ዘርእኻ፥ በረኸተይ ከዓ ኣብ ውሉድካ ኸውርድ እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ሕርይቲ ጊዜ ሰማዕኹኻ፤ ብመዓልቲ ምድሓን ከዓ ረዳእኩኻ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንምድሪ ኽተቕንዕ፥ ዝባደሙ ርስትታት ክተውርስ፥
ንሰማያት ክዝርግሕ፥ ንምድሪ ኸዓ ኽምስርት፥ ንፅዮን ድማ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልስ፥ ቃለይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፤ ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።”
እምባታት ክልዓሉ፥ ኰረብታታውን ክውገዱ እዮም፤ ምሕረተይ ግና ኻባኺ ኣይለዓልን፤ ቃል ኪዳን ሰላመይውን ካባኺ ኣይውገድን እዩ” ይብል እቲ ዝርህርሀልኪ እግዚኣብሄር።
ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ቃለይ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ፤ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ይፍፅም፤ ዝተልኣኸሉውን የስልጥ እምበር፥ ብኸንቱ ናባይ ኣይምለስን።”
“እዝንኹም ፀሊኹም ናባይ ቅረቡ እሞ ስምዑ፤ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፤ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዋ ፅኑዕ ምሕረት፥ ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ።
ፍረ ኸናፍር ክፈጥር እየ፤ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ንዘለዉ ሰላም፥ ሰላም ይኹን፤ ኣነ ኸሕውዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣነ ዝገብሮም ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንሓዋሩ ፀኒዖም ከም ዝነብሩ፥ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኣብ ቅድመይ ፀኒዖም ክነብሩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርግሐ እሞ ኣፈይ ዳህሰሰኒ፤ “እንሆ፥ ክትዛረቦ ዝግብኣካ ቓል ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ እየ።
እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ፥ ‘መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ኽቕመጥ እንተሎ እትሪኦ፥ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዘጥምቕ’ ኢሉኒ ደኣ እምበር፥ ኣነስ ኣይፈልጦን ነይረ።
እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብኩዎም፤ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝመፃእኹ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፤ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ።
እግዚኣብሄር መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝለኣኾ፥ ንሱ ቓል እግዚኣብሄር እዩ ዝነግር።
ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ።
እዙይ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ፥ ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ፤ ኢየሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣይወረደን ነበረሞ።
ኣነ ነቲ ኻብ ኣቦይ ዝረአኽዎ እዛረብ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ከዓ ነቲ ኻብ ኣቦኻትኩም ዝረአኹምዎ ትገብሩ ኣለኹም” በሎም።
ንስኻትኩም ግና፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ብርግፅ ሓዲሩኩም እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ብመንፈስ እምበር፥ ብስጋ ኣይኮንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ፥ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን።
እቲ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ብኽብሪ ዘይግለፅ?
“ብድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንሕግታተይ ኣብ ልቦም ከንብር እየ፤ ኣብ ኣእምሮኣቶምውን ክፅሕፎ እየ።”