2 ግና በደልኩም ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ ኣምላኽኩምን ፈልያ ኣላ፤ ከይሰምዐኩምውን ሓጢኣትኩም ንገፁ ኻባኻትኩም ሰወሮ።
እግዚኣብሄር ካብ ሓጥኣን ይርሕቕ፤ ንፀሎት ፃድቃን ግና ይሰምዖ።
“ኣእዳውኩም ናባይ እንተ ዘርጋሕኹም፥ ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክኽውል እየ፤ ልመና እንተ ኣብዛሕኹምውን ኣይሰምዐኩምን እየ፤ ኣእዳውኩም ደም መሊአን እየንሞ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
ብሰንኪ ሓጢኣቱ ተቘጢአ ቐሰፍክዎ፤ ገፀይውን ብቝጥዐ ኻብኡ ኸወልኩ፤ ከምኡ ኾይኑውን ብመንገዲ ልቡ እናድሐርሐረ ኸደ።
እንሆ ንፅልእን ንኽርክርን ትፆሙ ኣለኹም፤ ብሕሱም ጕስጢትውን፥ ትዋቕዑ ኣለኹም። ድምፅኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዝስማዕ ጌርኩም፥ ሎሚ ኣይትፆሙን ዘለኹም።
በደልኩም ነዙይ ኣትረፈልኩም፤ ሓጢኣትኩምውን ሰናይ ነገር ከይትቕበሉ ኣኽለአኩም።
ሔት። ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገይራ እያ፤ ስለዙይውን ረኸሰት፤ እቶም ዘኽብርዋ ዝነበሩ ዅሎም ዕርቃና ሪኦም ነዓቕዋ፤ ንሳውን እህህ እናበለት ገፃ ንድሕሪት መለሰት።
ድሕሪ ደጊም ገፀይ ኣይክኽውለሎምን እየ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ኣፍሲሰ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ከእውዩ እዮም፤ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን፤ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ክፉእ ስለ ዝገበሩ ገፁ ኻባኣቶም ክስውር እዩ።
ህዝቢ እስራኤል ሓጢኣት ገይሮም ኣለዉ። ነቲ ኣይትግበርዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎም ብምጥሓስ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሶም ኣለዉ። ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰዱ፤ ሰረቑ፤ ሓሰዉ፤ ምስ ኣቑሑቶምውን ኣንበርዎ።
እቶም ተዋጋእቲ ናብ ሰፈሮም ምስ ተመለሱ፥ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፥ “ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ከም እንሰዓር ዝገበረና? እምበኣር ኣብ ማእኸልና ኾይኑ ኻብ ኢድ ፀላእትና ምእንቲ ኸድሕነና፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ሴሎ ናባና ነምፅኣዮ” በሉ።