16 ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ።
ስለዙይ ሽዑ “ከጥፍኦም እየ” በለ፤ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ኸየጥፍኦም፥ ካብ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኽምለስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ማእኸል ቆመ።
ምእንቲ ኽፉኣት ዝከራኸረኒ መን እዩ? ምእንቲ ዓመፀኛታትከ ዝቃወመኒ መን እዩ?
ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ምስጋና ኣመስግኑ፤ እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ እዩ እሞ፥ የማናይ ኢዱን፥ ቅዱስ ቅልፅሙንውን ንእኡ ምድሓን ገበረ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና።
ህዝብታት ካብ ድምፂ ዋዕዋዕታ ዝተልዓለ ሃደሙ፤ ብምትሳእኻውን ኣህዛብ ተበተኑ።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ብሓይሊ ይመፅእ፤ ብቕልፅሙ ድማ ይገዝእ፤ እንሆ ዋጋኡ ምስኡ እዩ፤ ስራሑውን ኣብ ቅድሚኡ እዩ።
እንተ ጠመትኩ፥ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ማእኸሎም መማኸሪ የለን፤ እንተ ጠየቕክዎም ድማ፥ መልሲ ኽህብ ዝኽእል የለን።
“ምስ መፃእኹ ንምንታይ እዩ ሰብ ዘይነበረ? ምስ ፀዋዕኹስ ስለ ምንታይ እዩ፥ ዝምልስ ሰብ ዘይነበረ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምቢዛው ሓፃር እያ? ወይ ከዓ ኸድሕን ዝኽእል ሓይሊዶ የብለይን እየ? እንሆ፥ ብቝጥዓይ ንባሕሪ ኣንፅፎ፤ ንወሓይዝ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ፤ ሰኣን ማይ ከዓ፥ ዓሳታቱ ብፅምኢ ሞይቶም ከም ዝጨንዉ እገብር።
ፅድቀይ ቀልጢፉ ቐሪቡ ኣሎ፤ ምድሓነይውን ወፂኡ ኣሎ፤ ቅልፅመይውን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ደሴታት ድማ ኣባይ ተስፋ ኽገብራ፥ ኣብ ቅልፅመይ ድማ ኽእመና እየን።
ኣታ ቕልፅም እግዚኣብሄር፥ ተልዓል፤ ተልዓል፤ ሓይልኻ ልበስ፤ ከምቲ ብዝሓለፉ ዘመናት፥ ብጥንቲ ትውልድታት ዝገበርካዮ፥ ተልዓል። ረዓብ ንዝበሃል ኣራዊት ዝቘረፅካዮ፥ ነቲ ዓብዪ ገበልውን ዝወጋእኻዮ፥ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ዝተቐደሰ ቅልፅሙ ኸርኢ እዩ፤ ኵሎም ኣብ ወሰን ምድሪ ዘለዉ፥ ናይ ኣምላኽና ምድሓን ክሪኡ እዮም።
“ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ቅልፅም እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደ?
እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን፥ ብሓያል ቅልፅሙን ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ድሕሪዙይ እኽልኺ ንፀላእትኺ፥ ምግቢ ክኾኖም ኣይህቦምን እየ፤ ነቲ ዝፀዓርክሉ ወይንኺውን፥ ጓኖት ኣይሰትይዎን እዮም።
ገፅካ ኸዊልካልና፥ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኸዓ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፥ ስምካ ዝፅውዕን፥ ንኣኻ ኽሕዝ ዝትስእን፥ ሓደ እኳ የለን።
ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ።
ኣነ ኸየጥፍኣስ፥ ነቲ ቕፅሪ ዝፅግን፥ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ዝፈረሰ ዝቐውም፥ ኣብ ማእኸሎም ሓደ ሰብኣይ ደለኹ፤ ግናኸ፥ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።
በቲ ዘይምእማኖም ድማ ተገረመ፤ እናመሃረ ኸዓ ኣብተን ከባቢ ዘለዋ ዓድታት ተዘዋወረ።