8 ኣብ ድሕሪ ማዕፆን ልዳትን መዘከርታኺ ገበርኪ፤ ንኣይ ሓዲግኪ ንኻልእ ተቐላዕኺ፤ ንመደቀሲኺውን ወፂእኺ ኣግፋሕኽዮ፤ ምስኣቶም ድማ ኺዳን ኣተኺ፤ ኣብ ኵሉ ዝረአኽዮ ቦታ፥ መደቀሲኦም ፈተኺ።
“ንስኺ ግና ብመልክዕኺ ተኣመንኪ፤ ስለ ናእዳ ስምኪ ኢልኪ ኣመንዘርኪ፤ ንዝኾነ ሓላፊ መንገዲ ንእኡ ኽትኮኒ ምንዝርናኺ ኣብዛሕኺ።
“ክንዲ ሰብኣያ ጓኖት እተእቱ ዘማዊት ሰበይቲ ኾንኪ።
ኣብ ፅቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ።