7 ኣብ ልዕል ዝበለን፥ ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባን፥ ዓራትኪ ኣንፀፍኪ፤ ኣብኡ ድማ ንጣዖት መስዋእቲ ሕሩድ ክተቕርቢ ደየብኪ።
ኣቱም ደቂ እታ ኣስማተኛን፥ ዘርኢ ዘማውን፥ ኣመንዝራን፥ ናብዙይ ቅረቡ።
ኣብ እምባታት ዕጣን ዓጠኑ፤ ኣብ ኰረብታታትውን ንኣይ ፀረፉኒ። ስለዙይ በቲ ዝገበርዎ ኽቐፅዖም፥ ኣብ ሕቝፎምውን ክሰፍረሎም እየ።”
ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፤ መእሰሪኺ በተኽኩ፤ ንስኺ ግና ኣየገልግልን በልኪ፤ ኣብ ኵሉ በሪኽ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋምን፥ ክተመንዝሪ ደቀስኪ።
ኣዒንትኺ ቋሕ ኣብሊ እሞ፥ ናብ ጫፍ ኰረብታታት ጠምቲ፤ ዘይደቀስክሉ ቦታ ኣበይ ኣሎ? ኸምቲ ዓረባዊ ኣብ ምድረ በዳ ዝቕመጥ፥ ኣብ መንገዲ ተቐሚጥኪ ትፅበይዮም ነበርኪ፤ ብምንዝርናኽን ብኽፍኣትክን ድማ ንምድሪ ኣርከስክያ።
ኢዮስያስ ነጊሱ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ? ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ከይዳ ኣመንዘረት።
ካብ ክዳውንትኺ ወሲድኪ፥ ብዝንጕርጕር ክዳን ዘጋየፅክዮም መስገዲታት በረኽቲ ስፍራ ንባዕልኺ ሰራሕኺ፤ ኣብኡውን ኣመንዘርኪ፤ ከምዙይ ዝበለስ ኣይተገብረን፤ ደጊምውን ኣይግበርን እዩ።
ንስኺ ልዕል ዝበለ ስፍራ ብዅሉ መተሓላለፊ መንገዲውን በሪኽ ስፍራ ሰራሕኺ።
ኣብ ኵሉ ወሰን መንገዲ ልዕል ዝበለ ስፍራ ገበርኪ፤ ንመልክዕኺ ኣፈንፈንክዮ፤ ንዅሉ ሓላፊ መንገዲ ድማ ኣእጋርኪ ኣርአኺ፤ ምንዝርናኽውን ኣብዛሕኺ።
ደቂ ባቢሎን ከዓ ናብኣ መፂኦም ምስኣ ብፍትወት ደቀሱ፤ ብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ፤ ብኣኣቶም ምስ ረኸሰት፥ ነፍሳ ኻብኣቶም ኣግለሰት።
ኣብ ፅቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ።
እቶም ውጉኣቶም ኣብ ማእኸል ጣዖታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ዀረብታ፥ ኣብ ኵሉ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ገረብ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ብርቱዕ ቘፅሊ ዘለዎ ኣውሒ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ንዅሎም ጣዖታቶም ጥዑም መዓዛ ዝዓጥኑሉ ስፍራ ምስ ኮኑ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።