4 ንመን ኢኹም እተባጭዉሉ? ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም እትኸፍቱ? ንስኻትኩም ደቂ ዓመፅትን ዘርኢ ሓሰውትንዶ ኣይኮንኩምን?
ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዝነድድ፥ ፈውሲውን ክሳዕ ዝሰኣን፥ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት እግዚኣብሄር ኣላገፁሎም፤ ነቲ ቓሉ ኸዓ ነዓቕዎ፤ ነቶም ነቢያቱውን ኣዋረድዎም።
ከምቲ ዝምንዝዕን ዝጓዝምን ኣንበሳ፥ ኣብ ልዕለይ ኣፎም ከፈቱ።
ኵሎም ኣዕፅምተይ ተቘፀሩ፤ ንሳቶምውን ይጥምቱንን ይዕዘቡንን ኣለዉ።
ኵሎም ዝሪኡኒ የባጭዉለይ፤ ርእሶም እናነቕነቑ ብኸናፍሮም፦ “ኣብ እግዚኣብሄር ተኣማመነ፤ እስኪ የናግፎ፤ እንተ ፈትዩዎስ እስኪ የድሕኖ” ይብሉ።
ኣፎም ኣብ ልዕለይ ሃህ ኣበሉ፤ “እሰይ፥ እሰይ፥ እንኳዕ ብዓይንና ረአናዮ” ይብሉ ኣለዉ።
እቶም ኣብ በርታት ዝቕመጡ፥ ብኣይ ይፃወቱ ኣለዉ፤ እቶም ወይኒ ዝሰትዩ ኸዓ ብኣይ ይደርፉ።
ሕዚ እውን ከይትሰዶም ገናዶ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ?
ኣቱም ዓሌት ሓጥኣን! በደል ዝመልአኩም ህዝቢ፥ ዘርኢ ገበርቲ ኽፉእ፥ ርኽሰት እትፍፅሙ ውሉዳት፥ ወይለኹም! ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ፤ ንናይ እስራኤል ቅዱስውን ነዓቕዎ፤ ንድሕሪት ድማ ተመለሱ።
ምሳር ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቘርፀሉ ሰብዶ ይዘሃር እዩ? መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡዶ ይዕበየሉ እዩ? በትሪ፥ ኣብቲ ኣልዒልዎ ዘሎ ሰብዶ፥ ርእሱ ይንቕንቕ እዩ? በትሪኸ፥ ዕንፀይቲ ኸም ዘይኮነ ንባዕሉ ሓፍ የብል ድዩ?
ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ።
ንሳቶም ዓመፀኛ ህዝቢ፥ ሓሰውቲ ውሉድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዘይደልዩ ውሉድ እዮምሞ።
ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝፀረፍካዮን? ድምፅኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኢኻ ዘልዓልካ? ኣዒንትኻኸ ንመን ኢኻ ዘፍጠጥካሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”
ቍጥዓኻን ድፍረትካን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፥ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ከእቱ እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲውን ክመልሰካ እየ።
ኣይሰማዕኻን፤ ኣይፈለጥካን፤ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፈተን፤ እዙይ ከዓ ጠላሚ ምዃንካን፥ ካብ ማህፀን እኖኻ ጀሚሮም “ገበነኛ” ኢሎም፥ ከም ዝሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ።
ኣብ ልዕሊ መንከ ኢኹም መልሓስኩም እተንውሑ? ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኦም፥ ንጣዖታት እትብህጉ ዘመውቲ፥ ንደቅኹም ድማ ኣብ ትሕቲ ሽንጥሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን ሓሪድኩም እትስውኡ፥ ደቂ ዓመፅን ሓሰትንዶ ኣይኮንኩምን?
ብዝተዛረብኩ ቝፅሪ አእዊ ኣለኹ፤ “ዓመፅን ጥፍኣትን” እናበልኩ አእዊ ኣለኹ፤ ቃል እግዚኣብሄር ምሉእ መዓልቲ፥ ንፀርፍን ንነቐፌታን ኮነኒ።
ናብ እዞም ገፆም ዝተረረ፥ ልቦም ዝሓረነ ደቂ እሰደካ ኣለኹ፤ ንስኻ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ” በሎም።
ኦ እስራኤል ካብ ዘመን ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ሰራሕኻ፤ ንሳቶም ኣብኡ ፀንዑ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ደቂ ገበርቲ ኽፉእ ዝኾነ ውግእ፥ ኣብ ጊብዓ ኣየርክቦምን ድዩ?
ስለዙይ ንስኻን ኵሎም ሰዓብትኻን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኢኹም ዝተኣከብኩም። ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ ደኣ፥ ኣሮን መን እዩ?”
እታ ግራት ዓለም እያ፤ ፅሩይ ዘርኢ ድማ፥ ደቂ መንግስቲ እዮም፤ እቲ ኽርዳድ ግና፥ ደቂ እቲ እኩይ እዮም።
ናይ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኡ እናተምበርከኹ “ሰላም፥ ኦ ንጉስ ኣይሁድ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።
እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።”
ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ።
ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ኣብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።
ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይእዘዙ ውሉድ ክወርድ እዩ።
ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ናብቲ ኢያሱ ዘለዎ ናብ ሰፈር ናብ ማቄዳ ብሰላም ተመለሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤል ደፊሩ ዝተዛረቦ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
ዓስቢ ዓመፃኦምውን ክቕበሉ እዮም። ንኣኣቶም ሓጐስ፥ ብቐትሩ ምዕባድ ማለት እዩ። ነውራማትን ርኹሳትን እዮም። ንኽጥብሩኹም ኢሎም፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ በዙይውን ይሕጐሱ።