2 ናብ ሰላም ይኣቱ፤ እቶም ብቕንዕና ዝነብሩ ኣብ መደቀሲኦም ይዓርፉ።
ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፤ ፍፁም ከዓ ኹን።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት ንባዕሉ ዘውቀሮ መቓብር ከዓ ቐበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ድማ ብብልሓት ገባሪ ሽቱ ዝተገብረ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱን ዝተፈላለየ ዓይነት ቀመማትን ኣብ ዝመልአ ዓራትውን ኣንበርዎ። ዓብዪ ዝኾነ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ገበሩሉ።
ኣብኡስ እቶም ክፉኣት እኳ ቝጥዓኦም ሓዲጎም፤ እቶም ዝደኸሙውን ኣዕሪፎም ኣለዉ።
ንቕንዕና ሓሉ፤ ንፅድቂውን ረአ፤ ነቲ ናይ ሰላም ሰብ፥ ተረፍ ኣለዎሞ።
ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ፥ ብመዓልቲታት ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
ኵሎም ነገስታት ኣህዛብ፥ በብገዛኦም ብኽብሪ ደቂሶም ኣለዉ።
መንገዲ ፃድቃን ቅንዕቲ እያ፤ ኣታ ቕኑዕ ዝኾንካ፥ መንገዲ ፃድቃን ተቕንዕ ኢኻ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ።
ንኣኣን ንዅሉ ህዝባን ኣብ ማእኸል እቶም ቅቱላት ኣንፀፉሎም። መቓብራ ኣብ ዙርያኣ እዩ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ነበሩ እሞ፥ ኵላቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ እዮም። ነውሮም ድማ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ተሸከሙ፤ ኣብ ማእኸል ቅቱላትውን ነበሩ።
“ንስኻ ግና ኽሳዕ መወዳእታ መንገድኻ ኺድ፤ ንስኻውን ክትዓርፍ ኢኻ፤ ግና ኣብ መወዳእታ ዘመን ኣብ ዕፃ ኽፍልኻ ኽትቐውም ኢኻ።”
ጐይታኡ ድማ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ።
ክልቲኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕግጋቱን፥ ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ ፃድቃን ነበሩ።
ብድሕሪዙይ እቲ ድኻ ሞተ፤ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታምውን ሞተ፤ ተቐበረውን።
“ኦ ጐይታ! ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ፤
ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “እምነትኪ እያ ዘድሓነትኪ፤ ብሰላም ኪዲ” በላ።
እዛ ድንኳን ዝኾነት፥ ምድራዊት መንበሪትና እንተ ፈረሰት እኳ፥ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነት ናይ ዘለኣለም ቤት፥ ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና።
ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ።
በዘን ክልተ ነገራት እዚኣተን እጭነቕ ኣለኹ፤ ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ።
ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።