9 ገበን ዘይፈፀመ፥ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበስ፥ ኣማውታኡ ምስ ክፉኣት፥ መቓብሩ ኸዓ ምስ ሃብታማት ኮነ።”
ተቐበረውን” ኸምቲ ቕዱሳት መፃሕፍቲ ዝብልዎ ኸዓ “ብሳልሳይ መዓልቲ ተስአ”
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።
ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።
“ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ሓሰትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።”
ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብኡውን ሓጢኣት የለን።