7 “ተጨነቐ፤ ተሳቐየ፤ ግና ኣፉ ኣይከፈተን፤ ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝዅብኰብ ጡበት፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ፥ ኣፉ ኣይከፈተን።
እወ፥ ከም ዘይሰምዕ ሰብ፥ ብኣፉውን ክናገር ከም ዘይኽእል ሰብ ኮንኩ።
ኦ ጐይታ፥ ብኣኻ እእመን ኣለኹሞ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ትሰምዐኒ ኢኻ።
ንሕና ግና ምእንታኻ ዅልሻዕ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ኮንና።
ዝባነይ ንገረፍቲ፥ ምዕጕርተይ ድማ፥ ንነፀይቲ ፀጕሪ ሃብኩ፤ ገፀይ ከዓ ኻብ ውርደትን፥ ካብ ቱፍ ዝብሉለይን ኣይከወልኩን።
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
ኣነ ግና ንማሕረዲ ኸም ዝዅብኰብ የዋህ ጡበት ነበርኩ፤ ንሳቶም “ስሙ ኸይዝከር፥ ነታ ኦም ምስ ፍሪኣ ንቝረፃ፤ ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ነጥፍኣያ፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ስሙ ኣይዘከር” ኢሎም ከም ዘሻረዉለይ ኣይፈለጥኩን ነይረ።
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ክትነግረና በቲ ህያው እግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” በሎ።
ንሱ ግና መልሲ እንተይሃበ ስቕ በለ፤ እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ደጊሙ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ቡሩኽ ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
ኢየሱስ ግና ጲላጦስ ክሳዕ ዝግረም፥ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።
ብዙሕ ነገራትውን ጠየቖ፤ ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን።
ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።
መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣትዩ፥ ንኢየሱስ “ንስኻ ካበይ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ግና ሓንቲኳ ኣይመለሰሉን።
ምስ ፀረፍዎ መሊሱ ኣይፀረፈን፤ መከራ እንተፅንዑሉውን፥ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ እግዚኣብሄር ደኣ፥ ነገሩ ኣሐሊፉ ሃበ እምበር፥ ኣየፈራርሐን።
ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣሕሉቕን፥ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል በጊዕ፥ ደው ኢሉ ረአኹ። ንሱ፥ ሸውዓተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣዒንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቶም ናብ ኵላ ምድሪ ዝተልኣኹ፥ ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።