2 ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን፥ ከምቲ ኻብ ንቑፅ ምድሪ ዝወፅእ ሱርን ጨብጨበ፤ መልክዕን ፅባቐን የብሉን፤ ምስ ረአናዮ ንኽንፈትዎ፥ ዘብህገና ትርኢት የብሉን።
ካብቲ ጕንዲ እሴይ፥ በትሪ ኽወፅእ እዩ፤ ካብ ሱሩውን ቈጥቋጥ ክፈሪ እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንኽብርን ንገይፅን ክኸውን እዩ፤ ፍረ እታ ምድሪ ድማ፥ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ሰባት፥ ንትምክሕትን ንሓጐስን ክኸውን እዩ።
ብዙሓት ብኡኡ ኽሳዕ ዝግረሙን ዝድንግፁን፥ ካብ ዝኾነ ሰብ መልክዑ ዝተፈለየ፥ ካብ ዅሉ ወዲ ሰብ፥ ብዝኸፍእውን ተጐሳቘለ።
ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
“እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እምበኣርከስ፥ ኣታ ዓብዪ ካህን ኢያሱ፥ ስማዕ፤ እቶም ኣብ ቅድሜኻ ዝቕመጡ ብፆትካውን፥ ንሳቶም ንምልክት ዝኾኑ ሰባት እዮም እሞ ይስምዑ፤ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ቈጥቋጥ ከውፅእ እየ።
ንእኡውን ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ስሙ ቘጥቋጥ ዝተብሃለ ሰብ፥ ኣብ ቦታኡ ኽበቍል እዩ፤ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ክሰርሕ እዩ።
“እዙይስ እቲ ፀራቢ ወዲ ማርያምዶ ኣይኮነን? ሓው ያእቆብን ዮሳን ይሁዳን ስምኦንንዶ ኣይኮነን? ኣሓቱስ ኣብዙይ ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን?” እናበሉ ብእኡ ተዓንቀፉ።
ንሱ ኸዓ “ኤልያስ ብርግፅ ኣቐዲሙ ኽመፅእ እዩ፤ ንዅሉውን ከቃንዕ እዩ፤ ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበልን ከም ዝነዓቕን ስለ ምንታይ ድዩ ተፅሒፉ ዘሎ? ኣነ ግና ኤልያስ ብርግፅ መፂኡ እዩ፤ ከምቲ ብዛዕባኡ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ ኵሉ ዝደለይዎ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝገበሩ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
በዅሪ ወዳ ድማ ወለደት፤ በጭርቕትውን ጠቕለለቶ፤ ኣብቲ መሕደሪ ኣጋይሽ፥ ሰፈር ስለ ዘይነበሮም ድማ፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ኣደቀሰቶ።
ኢየሱስ ከዓ “ንወኻሩ ጕድጓድ፥ ነዕዋፍ ሰማይውን ሰፈር ኣለወን፤ ንወዲ ሰብ ግና፥ ርእሱ ዘፀግዐሉ ስፍራ የብሉን” በሎ።
ሽዑ ንሳቶም መሊሶም “ነዝ ሰብ እዙይ ዘይኮነስ፥ ንበርባን ፍትሐልና!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። በርባን ግና ሽፍታ ዝነበረ እዩ።
ሽዑ ኢየሱስ ኣኽሊል እሾዅ ደፊኡ፥ ቀይሕ ኽዳን ተኸዲኑ፥ ናብ ደገ ወፀ። ጲላጦስ ድማ፥ “እንሆ፥ እቲ ሰብኣይ!” በሎም።
ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ።
ንሹመኛታትውን ተኣዘዙ፤ ንገበርቲ እከይ ክቐፅዑ፥ ንገበርቲ ሰናይ ድማ ኽንእዱ፥ ካብኡ ዝተልኣኹ እዮም እሞ።