12 ስለዙይ ንሱ ንብዙሓት ክወርስ እዩ፤ ምርኮውን ምስ ሓያላት ክካፈል እዩ፤ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ሂቡ፥ ምስ በደለኛታትውን ተቘፂሩ እዩሞ፤ ንሱ ሓጢኣት ብዙሓት ፆረ፤ ምእንቲ በደለኛታትውን ማለደ።”
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።
“ሕዚ እውን ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ መኸኸት፤ ዘመን መከራ ሓዘትኒ።
ለምነኒ፥ ኣነ ኸዓ ኣህዛብ ንርስትኻ፥ ወሰናት ምድሪ ድማ ንግዝኣትካ ኽህበካ እየ።
ከም ማይ ፈሰስኩ፤ ኵሉ ኣዕፅምተይውን ተፈላለየ፤ ልበይ ከም ሽምዒ ኾነ፤ ኣብ ማእኸል ኣምዑተይውን መኸኸ።
ፀላኢ፥ ኣሳጒጐ ኽሕዞም እየ፤ ምርኮውን ክካፈል እየ፤ ነፍሰይውን ክትፀግቦም እያ፤ ሰይፈይ ክመዝዝ እየ፤ ኢደይውን ክተጥፍኦም እያ፤ በለ።
ኣነ ግና “ብኸንቱ ፀዓርኩ፤ ጥቕሚ ንዘይብሉ ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኹ፤ ግና ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ዓስበይውን ኣብ ኣምላኸይ እዩ” በልኩ።
“እንሆ፥ ኣገልጋሊየይ ዝገብሮ፥ ብምስትውዓል እዩ፤ ክገንን፥ ልዕል ልዕል ክብል፥ የመናውን ክኸብር እዩ።
ከምኡ ኸዓ ንብዙሓት ኣህዛብ ከደንቕ እዩ፤ እቶም ብዙሓት ነገስታትውን፥ ተነጊርዎም ዘይፈልጥ ስለ ዝሪኡ፥ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡውን ስለ ዘስተውዓሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣፎም ክሕዙ እዮም።”
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
ብምጭናቕን ብፍርድን ተወሰደ፤ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝበይ ተወቒዑ፥ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝተወገደ፥ ካብ ትውልዱ መን ኣስተውዓለ?
ኢድ ሰብ እንተይነኽኦ፥ ካብ እምባ ተፈንቂሉ ዝወረደ እምኒ፥ ንሓፂንን ንነሃስን ንሻኽላን ንብሩርን ንወርቅን ከድቅቖ እንተሎ ዝረአኻዮ፥ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎ ንኣኻ ንንጉስ ኣርእዩካ ኣሎ። እቲ ሕልሚ ትክኽል፥ ትርጕሙ ኸዓ እሙን እዩ።”
ካልኣይ ጊዜ ኸይዱ ኸዓ “ኦ ኣቦይ! እዛ ፅዋዕ እዚኣ እንተይሰተኽዋ ኽትሓልፍ ዘይከኣል እንተ ኾይኑስ፥ ፍቓድካ ይኹን!” እናበለ ደጊሙ ፀለየ።
ምስኡውን ክልተ ኸተርቲ፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ ሰቐሉ።
እቲ “ምስ ዓመፅቲ ተቘፀረ” ዝብል ፅሑፍውን ተፈፀመ።
እብለኩም ኣለኹ፥ ‘ምስ ዓመፅቲ ተቘፀረ’ ዝብል ፅሑፍ፥ ኣባይ ክፍፀም ግድን እዩ። እወ እቲ ዅሉ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ሕዚ ይፍፀም ኣሎ” በሎም።
ነቲ ሁከት ብምልዕዓልን፥ ሰብ ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ በርባን፥ ከም ልመናኦም ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና፥ ከም ድልየቶም ክገብርዎ፥ ኣሕሊፉ ሃቦም።
ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”
እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሞት ዝተስአ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኮይኑውን፥ ምእንታና ዝማልድ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን፥ እንተ ተሰዋእኹ ደስ ይብለኒ፤ ምስ ኵልኻትኩምውን እሕጐስ ኣለኹ።
ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም።
ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።
ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ክርስቶስ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ክንዳና ምእንቲ ኽረአየልና፥ ናብ ሰማይ ኣተወ እምበር፥ ናብታ ብኢድ ዝተገብረት፥ ናይታ ምስሊ ናይ ብሓቂ መቕደስ ናብ ዝኾነት ኣይኣተወን።
ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ክርስቶስ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዙሕ ጊዜ መከራ ኽቕበል መድለዮ ነይሩ። ሕዚ ግና ንሓጢኣት ምእንቲ ኽድምስስ ኢሉ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልፀ።
ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኸወግድ፥ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፥ ደጊም ንሓጢኣት ክፀውር ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝፅበይዎ ኸድሕኖም፥ ካልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለፅ እዩ።
ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ደቀይ፥ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ስም ክርስቶስ፥ ተሓዲጉልኩም እዩ እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።