1 “ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ቅልፅም እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደ?
ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክግለፅ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኸዓ፥ ሓቢሩ ኽሪኦ እዩ።”
ኣታ ቕልፅም እግዚኣብሄር፥ ተልዓል፤ ተልዓል፤ ሓይልኻ ልበስ፤ ከምቲ ብዝሓለፉ ዘመናት፥ ብጥንቲ ትውልድታት ዝገበርካዮ፥ ተልዓል። ረዓብ ንዝበሃል ኣራዊት ዝቘረፅካዮ፥ ነቲ ዓብዪ ገበልውን ዝወጋእኻዮ፥ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ዝተቐደሰ ቅልፅሙ ኸርኢ እዩ፤ ኵሎም ኣብ ወሰን ምድሪ ዘለዉ፥ ናይ ኣምላኽና ምድሓን ክሪኡ እዮም።
ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ።
እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን፥ ብሓያል ቅልፅሙን ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ድሕሪዙይ እኽልኺ ንፀላእትኺ፥ ምግቢ ክኾኖም ኣይህቦምን እየ፤ ነቲ ዝፀዓርክሉ ወይንኺውን፥ ጓኖት ኣይሰትይዎን እዮም።
በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዝ ነገራት እዙይ ካብ ብልህታትን መስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንህፃናት ስለ ዝገለፅካዮ አመስግነካ ኣለኹ።
ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር፥ ስጋን ደምን ኣይገለፀልካን እሞ፥ ብፁእ ኢኻ” በሎ።
ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ናብኡ ወሲዱ “እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ፥ ብነቢያት ዝተፅሓፈ ኽፍፀም እዩ።
ነቶም ኵሎም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣመኑን ግና፥ ውሉድ እግዚኣብሄር ክኾኑ ስልጣን ሃቦም።
ንሱ ምስክር ኮይኑ፥ ኵሎም ብብርሃን ምእንቲ ኽኣምኑ፥ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር መፀ።
ናይ መስቀሉ ቓል፥ ንዝጠፍኡ ሰባት ዕሽነት እዩ፤ ንኣና ንእንድሕን ግና፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ።
ነቶም ፅዉዓት ግና፥ ኣይሁድ ኮኑ ግሪካውያን፥ ክርስቶስ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ፤ ጥበብ እግዚኣብሄርውን እዩ።