8 ብልዒ፥ ከም ክዳን ኽበልዖም እዩ፤ ፍልሖውን፥ ከም ፀምሪ ኽበልዖም እዩ፤ ፅድቀይ ግና ንዘለኣለም፥ ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኽነብር እዩ።”
ኣነስ በስቢሱ ከም ዝጠፍእ ነገር፥ ብልዒ ኸም ዘበላሸዎ ኽዳን ኮንኩ።”
እምበኣርከስ እቶም ኣብ ጭቃ ቤት ዝነብሩ፥ መሰረቶምውን ኣብ ውሽጢ ሓመድ ዝኾነ፥ ከም ሓሰኻ እውን ዝጭፍለቑ ኸመይ ይኾኑ!
ክብርኻን ቃና መሰንቆታትካን፥ ናብ ሲኦል ወረደ፤ መንፀፍካ ፍልሖ፥ መደረብታኻ ድማ ሓሳኹ እዮም’ ኢሎም ክመልሱልካ እዮም።
ንእስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን እግዚኣብሄር ከድሕኖ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ንዘለኣለም ኣይትሓፍሩን፥ ኣይትዋረዱን ኢኹም።”
ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥ ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤ ድሕነት ኣብ ፅዮን፥ ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”
እንሆ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ፤ ዝዅንነኒ ደኣ መን እዩ? እንሆ፥ ኵላቶም ከም ክዳን ክበልዩ፥ ባልዕውን ክበልዖም እዩ።
ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ናብ ሰማያት ቈላሕ ኣብሉ፤ ናብ ታሕቲውን ናብ ምድሪ ጠምቱ፤ እንሆ፥ ሰማያት ከም ትኪ ኽበኑ እዮም፤ ምድሪ ድማ ኸም ክዳን ክትበሊ እያ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከምኡ ኽሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ ፅድቀይውን ኣይፈርስን እዩ።”
“እዙይ ንኣይ ከምቲ ማይ መሊሱ፥ ንምድሪ ኸየጥለቕልቓ ንኖህ ዝመሓልኩሉ፥ ሕዚ እውን ንኣኺ መሊሰ ኸይቍጥዐኪ፥ ከይግስፀኪውን ምሒለ ኣለኹ።
“ወፂኦም ድማ፥ ንሬሳታት ናይቶም ካባይ ዝኸድዑ ሰባት፥ ክርእይዎ እዮም፤ እቲ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፤ እቲ ሓዎም ድማ ኣይጠፍእን እዩሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ዘፀይፉ ክኾኑ እዮም።”
“ንዓመፅ መወዳእታ ኽግበሮ፥ ሓጢኣት ክፍፀም፥ በደል ንምስትስራይ፥ ዘለኣለማዊ ፅድቂ ኽመፅእ፥ ራእይን ትንቢትን ክሕተም፥ ቅዱሰ ቅዱሳን ድማ ኽቕባእስ፥ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ሰብዓ ሱባዔ ተመዲቡ ኣሎ።
ስለዙይ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝ፥ ንቤት ይሁዳ ኸዓ ኸም ቍንቁነ ኾይነ ኣለኹ።
ምሕረቱውን ኣብቶም ዝፈርሕዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።