Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 51:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ፅድቀይ ቀልጢፉ ቐሪቡ ኣሎ፤ ምድሓነይውን ወፂኡ ኣሎ፤ ቅልፅመይውን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ደሴታት ድማ ኣባይ ተስፋ ኽገብራ፥ ኣብ ቅልፅመይ ድማ ኽእመና እየን።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 51:5
39 Referencias Cruzadas  

ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ሬሳታትውን ከብዝሕ እዩ፤ ኣብ ሰፊሕ ምድሪ፥ ኣራእስ ክቕጥቕጥ እዩ።


ንኣህዛብ ብቕንዕና ትፈርደሎም ኢኻሞ፥ ኣብ ምድሪ እውን ንኣህዛብ እትመርሖም ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ኣህዛብ ይተሓጐሱ፤ ሓሴትውን ይግበሩ።


ግና ኽብሪ ኣብ ምድርና ምእንቲ ኽሓድር እዩ፤ ምድሓኑ ነቶም ዝፈርሕዎ ቐረባ እዩ።


ክመፅእ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብ ድማ ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።


ንሱ ኣብ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።


በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።


ስለዙይ እቶም ኣብ ምብራቕ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ። እቶም ኣብ ደሴታት ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ኸዓ፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል የኽብርዎ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም እምባ እዩሞ፥ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ።


ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና።


ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ።


እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ብሓይሊ ይመፅእ፤ ብቕልፅሙ ድማ ይገዝእ፤ እንሆ ዋጋኡ ምስኡ እዩ፤ ስራሑውን ኣብ ቅድሚኡ እዩ።


ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘምፅእ፥ ይበርህ እምበር ኣይጠፍእን፤ ኣህዛብውን ብስሙ ኽእመኑ እዮም።”


ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥ ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤ ድሕነት ኣብ ፅዮን፥ ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”


ኣትን ደሴታት ስምዓኒ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ማህፀን እንተለኹ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ።


ኣንፃርኪ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣፅዋር፥ ክኸሽፍ እዩ፤ ነቲ ንፍርዲ ኣብ ልዕሌኺ ንዝለዓል ኣንደበትውን፥ ክትረትዒ ኢኺ። እምበኣር ርስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ፅድቆምውን ካባይ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምድሓነይ ቀሪቡ እዩ፤ ፅድቀይውን ቀልጢፉ ኽግለፅ እዩሞ፥


ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ።


ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩሞ፥ ስለ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪን፥ ስለ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን፥ ንደቅኺ ኻብ ርሑቕ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን፥ ምእንቲ ኸምፅኣስ፥ ደሴታትን መራኽብ ተርሴስን፥ ኣቐዲመን ይፅበያ ኣለዋ።


እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንዅላ ምድሪ ይእውጅ ኣሎ፦ “ንጓል ፅዮን ‘እንሆ፥ ምድሓንኪ ይመፅእ ኣሎ፤ እንሆ ደመወዙ ምስኡ ኣሎ፤ ዓስቡ ድማ ቐቅድሚኡ ኣሎ’ በልዋ።”


ተመልከትኩ፤ ሓጋዚ ኸዓ ኣይነበረን፤ ዝድግፈኒ ኣይነበረን እሞ ተገረምኩ። ስለዙይ ቅልፅመይ ድሕነት ኣምፅአለይ፤ ቍጥዓይ ከዓ ሓገዘኒ።


ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ክፈርድስ፥ ኣብኡ ክቕመጥ እየሞ፥ እቶም ኣህዛብ ይለዓሉ፥ ናብ ለሰ ዮሳፍጥውን ይውፅኡ።


እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም።


ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤


ከምዙይውን በሎም፦ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዅሉ ፍጥረት ከዓ፥ ወንጌል ስበኹ።


ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ።


በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብ ገይሩ፥ ንዓለም ብፅድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዝ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገፆ ድማ፥ ነቲ ዝሓረዮ ሰብ፥ ካብ ምዉታን ብምትሳኡ እዩ” በሎም።


ስለዙይ፥ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ፥ በታ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።


ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።


እቲ ቓል ኣብ ኣፍኩምን ኣብ ልብኹምን የመና ቐረባኹም እዩ ዘሎ፤ ስለዙይ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።


እቶም ምስ እግዚኣብሄር ዝፃልኡ ይደቁ፤ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጐድጕድ፤ እግዚኣብሄር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ይፈርድ፤ ንንጉስ ሓይሊ ይህብ፤ ንቐርኒ መሲሑ ኸዓ ልዕል ልዕል የብሎ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos