4 “ሕጊ ኻባይ ይወፅእ፤ ፍርደይውን ንኣህዛብ ብርሃን ክኸውን እዩ፤ ኣታ ህዝበይ፥ ስምዐኒ፤ ኣታ ወገነይ፥ ኣዳምፅ።
ብመድሓኒትካ ድማ ተመልከተና፤ ሰናይ ናይ እቶም ዝመረፅካዮም ምእንቲ ኽንርኢ፥ ብደስታ ህዝብኻውን ምእንቲ ኽንሕጐስ፥ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ኽንሕበን።
ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዙይ ከቶ ኣይገበረሎምን፤ ፍርዱውን ኣይገለፀሎምን። ሃሌ ሉያ።
እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብፁእ እዩ፤ እቲ ርስቱ ክኸውን ዝሓረዮ ህዝቢ እውን ብሩኽ እዩ።
ህዝበይ፥ ስማዕ ክነግረካ፤ እስራኤልውን ስምዐኒ፥ ክምስክረልካ፤ ኣምላኽስ ኣነ ኣምላኽካ እየ።
ኦ ህዝበይ፥ ንሕገይ ኣድምፁ፤ እዝንኹምውን ናብ ቃል ኣፈይ ፅን ኣብሉ።
ንስኻትኩም ግና ናይ ካህናት መንግስትን፥ ቅዱስ ህዝብን ክትኮኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትነግሮም ቃል እዙይ እዩ” በሎ።
እምበኣር ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ምእንቲ ንኣኻ ፈሊጠ ኣብ ቅድሜኻውን ኵልሻዕ ሞገስ ክረክብስ፥ በይዛኻ መንገድኻ ኣፍልጠኒ። እዝ ህዝቢ እዙይ ከዓ ህዝብኻ ኸም ዝኾነ ዘክር” በሎ።
ትእዛዝ መብራህቲ፥ ሕጊ ብርሃን እዩሞ፤ ተግሳፅ ትምህርቲ ድማ መንገዲ ህይወት እዩሞ።
ፅዮን ብፍርዲ፥ እቶም ናብኣ ዝምለሱ ኸዓ ብፅድቂ ኽድሕኑ እዮም።
ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ፤ ብዙሓት ህዝብታት፥ “ንዑ ናብ እምባ እግዚኣብሄር፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያዕቆም ንደይብ፤ ንሱ መንገዱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብመንገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ክብሉ እዮም።
እቲ ሓቂ ዝሕሉን ፃድቕ ዝኾነን ህዝቢ፥ ምእንቲ ኽኣቱ በርታት ክፈቱ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብመንገዲ ሕግታትካ። ተስፋ ገበርናካ፤ ስምካን ዝኽርኻን ሃረርታ ነፍስና እዩ።
ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ።
እግዚኣብሄር፥ ስለ ፅድቁ ኢሉ፥ ንሕጉ ዝዓበየን ዝኸበረን ክገብሮ ደለየ፤
“ኣነ እግዚኣብሄር ብፅድቂ ፀዋዕኹኻ፤ ኢድካ ኽሕዝ እየ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንህዝቢ ቓል ኪዳን፥ ንኣህዛብ ድማ ብርሃን ገበርኩኻ።
ንሱውን “ንነገድ ያእቆብ ንምትሳእ፥ ነቶም ዝድሕኑ እስራኤል ናባይ ንምምላስ፥ ባርያይ ምዃንካ ንኣኻ የመና ዝቐለለ እዩሞ፥ ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ።
“እዝንኹም ፀሊኹም ናባይ ቅረቡ እሞ ስምዑ፤ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፤ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዋ ፅኑዕ ምሕረት፥ ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ።
እግዚኣብሄርውን “ብርግፅ ንሳቶም ህዝበይ፥ ዘይሕስዉ ደቀይ እዮም” በለ እሞ መድሓኒኦም ኮነ።
ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ እሞ፥ ብዙሓት ህዝብታት ክኸዱ፥ “ንዑናይ ናብ እምባ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፥ ንሱ ኸዓ መንገድታቱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕናውን ብመንገድታቱ ኽንኸይድ ኢና” ኽብሉ እዮም።
ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ዝገልፅ፥ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ እዩ።”
ነቶም ሕጊ ዘይብሎም ምእንቲ ኸድሕን፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ዘለንን፥ ብሕጊ ክርስቶስ ዝነብርን እኳ እንተ ሃለኹ፥ ምስቶም ሕጊ ዘይብሎም፥ ሕጊ ኸም ዘይብሉ ኾንኩ።
ከማኻ ዝበለ ነቢይ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከተስአሎም እየ፤ ቃለይ ኣብ ኣፉ ኽገብር እየ፤ ኵሉ ዝኣዘዝክዎ ድማ ኽነግሮም እዩ።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።