2 ናብ ኣቦኻትኩም ኣብርሃምን፥ ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ተመልከቱ። ሓደ በይኑ እንተሎ ፀዋዕኽዎ፤ ኣነ ኸዓ ባረኽክዎን ኣብዛሕኽዎን።”
ፈፂመ ኽባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን፥ ከብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ኣፍ ደገ ፀላእቶም ክወርሱ እዮም።
ኣብርሃም ድማ ዕድመ ዝፀገበ ኣረጋዊ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ስራሑ ባሪኽዎ ነበረ።
እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾ፤ ኣዕበዮውን። ኣባጊዕን ኣላሕምን፥ ወርቅን ብሩርን፥ ኣገልገልትን ኣግራድን፥ ኣግማልን ኣእዱግንውን ሂብዎ እዩ።
ስለዙይ እቲ ንኣብርሃም ዝተቤዘዎ እግዚኣብሄር፥ ንቤት ያእቆብ ከምዙይ ይብል፦ “ደጊምስ ያእቆብ ኣይሓፍርን፥ ገፁውን ኣይፅምሉን እዩ።
“ኣታ እስራኤል ባርያይ! ኣታ ያእቆብ ዝሓረኹኻ! ዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊየይ!
እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፤ መምህራንካ ድማ በደሉኒ።
ኣቱም ብስም እስራኤል እትፅውዑ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ዝፈልፈልኩም፥ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፥ ብሓቅን ብፅድቅን ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንኣምላኽ እስራኤል እትፅውዑ፥ እዙይ ስምዑ።
እቲ ንእሽተይ ንሽሕ፥ እቲ የመና ውሑድ ከዓ፥ ንብርቱዕ ህዝቢ ክኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዙይ ብጊዜኡ፥ ቀልጢፈ ኽገብሮ እየ።”
ኣቦና ንስኻ ኢኻ፤ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን እዩ፤ እስራኤልውን ኣየለልየናን እዩ። ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ፥ ካብ ዘለኣለም ተቤዛዊና እዩ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ምድሪ እስራኤል ዘለዉ፥ ኣብርሃም ንበይኑ ነበረ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣውን ወረሳ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፤ እታ ምድሪ ድማ ርስቲ ኽትከውን፥ ንኣና ተውሂባ እያ፥ ይብሉ ኣለዉ።
ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ክሳዕ እትኾኑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዚሑኩም ኣሎ።
ንስኻትኩም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፦ ‘ኣቦና ኸርተት ዝብል ሶርያዊ ነበረ፤ ንሱን ስድራኡን ናብ ግብፂ እንትወርዱ፥ ቍፅሮም ውሑድ ነበረ፤ ስደተኛታት ኮይኖምውን ኣብኣ ተቐመጡ፤ ኣብኣ ኸዓ ዓቢይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ኾኑ።
ነቦኹም ኣብርሃም ከዓ ኻብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ወሲደ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ከነዓን መራሕኽዎ፤ ዘርኡውን ኣብዛሕኹ፤ ንይስሓቅ ከዓ ሃብኩዎ።