10 ንባሕሪ፥ ነቲ ብርቱዕ መዓሙቝ ማያት ዘንፀፍካ፥ እቶም ዝድሓኑ ኽሓልፉ ኸዓ፥ ነቲ ጥልቂ ባሕሪ፥ መንገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
ካብ ኢድ ተፃረርቶም ድማ ኣድሓኖም፤ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ኣናገፎም።
ንባሕሪ ኤርትራ ገሰፃ እሞ ነፀፈት፤ ከም ምድረ በዳ ብዓሚቝ መርሖም።
ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ ኣፅናዕኻያ፤ ኣራእስ ኣትማን ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ሰበርካ።
መንገድኻ ኣብ ባሕሪ፥ ኣሰርካውን ኣብ ብዙሕ ማያት እዩ፤ ኣካይዳኻውን ኣይፍለጥን።
ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ምድሪ ሓለፉ፤ እቲ ማይ ከዓ ብየማኖምን ብፀጋሞምን ከም መንደቕ ኮነሎም።
ብሕያዋይነትካ ንዝተቤዘኻዮም ህዝቢ፥ መራሕኻዮም፤ ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ መሕደሪኻ መራሕኻዮም።
እግዚኣብሄር ድማ፥ ንባሕሪ ግብፂ ኸንቅፆ እዩ፤ ንፈለግ ኤፍራጥስ ከንቅፅ፥ ብርቱዕ ነፋስ ክሰድድ እዩ። ሸውዓተ ሩባታት ገይሩውን ክወቕዖ እዩ፤ ሰባት ድማ ሳእኒ ኣእትዮም ከም ዝሳገርዎ ኽገብሮ እዩ።
እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ዝገበረሎም፥ ሎሚ ኸዓ ነቶም ካብ ጥፍኣት ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶር ዝወፁሉ መንገዲ ኸዳልወሎም እዩ።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።
ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
ኣንበሳ ኣይህልዎን፤ ዝጓዳእ ኣራዊት ኣይድይቦን፤ ኣብኡውን ኣይርከብን እዩ፤ ብኣኣ ዝኸዱ ዝደሓኑ ጥራሕ እዮም፤
ንእምባታትን ኰረብታታትን ከባድሞም፥ ንዅሉ በቝልታቶምውን ከንቅፆ እየ፤ ንሩባታት፥ ደሴታት ክገብሮም እየ፤ ንዒላታትውን፥ ከንፅፎም እየ።”
ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጐደና፥ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከዓ፥ መሰጋገሪ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
“ምስ መፃእኹ ንምንታይ እዩ ሰብ ዘይነበረ? ምስ ፀዋዕኹስ ስለ ምንታይ እዩ፥ ዝምልስ ሰብ ዘይነበረ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምቢዛው ሓፃር እያ? ወይ ከዓ ኸድሕን ዝኽእል ሓይሊዶ የብለይን እየ? እንሆ፥ ብቝጥዓይ ንባሕሪ ኣንፅፎ፤ ንወሓይዝ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ፤ ሰኣን ማይ ከዓ፥ ዓሳታቱ ብፅምኢ ሞይቶም ከም ዝጨንዉ እገብር።
ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ቅዱስ ህዝቢ” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም። ንስኺውን ተደላይትን ዘይትሕደግን ከተማ፥ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።
ኣብ ኵሉ መከራኦም ተጨነቐ፤ መልኣኽ ገፁ ድማ ኣድሓኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተቤዘዎም፤ ብዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ኣልዓሎምን ተሸከሞምን።
ከምቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፃእኻለን ዘመን፥ ተኣምራት ከርእዮም እየ።
ብባሕሪ ጭንቂ ኽሓልፉ እዮም፤ ማዕበል ባሕሪ እውን ክሃድእ እዩ፤ ኵሉ መዓሙቝ ሩባ ኸዓ ይነፅፍ፤ ትዕቢት ኣሶር ክዋረድ፥ በትሪ መንግስቲ ግብፂውን ክውገድ እዩ።