1 “ኣቱም ንፅድቂ እትኽተሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ እትደልዩዎ ስምዑኒ። ናብቲ ዝተቘረፅኩምሉ እምንን፥ ናብቲ ዝተዅዓትኩሙሉ ጕድጓድን ተመልከቱ።
ንኣሳ ድማ ኽራኸቦ ወፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ንጉስ ኣሳን፥ ኵልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ብንያምን፥ ስምዑኒ፤ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ዄንኩም ንሱውን ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ፤ እንተ ደሊኹምዎውን ክርከበልኩም እዩ። ንስኻትኩም እንተ ሓዲግኩምዎ ግና ንሱ ኸዓ ኽሓድገኩም እዩ።
ብጊዜ መከራኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ረኸብዎ።
እዛ ትውልዲ እዚኣ ንእኡ እትደሊ እያ፤ ንገፅ ኣምላኽ ያእቆብውን ትደሊ።
ፍርዲ ናብ ፅድቂ ኽሳዕ ዝምለስ፥ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ክኽተልዎ እዮም።
መንገዲ ሓጥኣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፀልአ እዩ፤ ፅድቂ ንዝስዕብ ግና የፍቅሮ።
ፅድቕን ምሕረትን ዝኽተል፥ ህይወትን ፅድቅን ክብርን ይረክብ።
ኣብ ፀልማት ምድሪ ብምስጢር ኣይተዛረብኩን፤ ንዘርኢ ያእቆብ ብኸንቱ ድለዩኒ ኣይበልክዎምን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ፅድቂ እየ ዝዛረብ፤ ፅድቂ እዛረብ፥ ቅኑዕ ዝኾነውን እናገር።”
ኣቱም ብስም እስራኤል እትፅውዑ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ዝፈልፈልኩም፥ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፥ ብሓቅን ብፅድቅን ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንኣምላኽ እስራኤል እትፅውዑ፥ እዙይ ስምዑ።
ኣታ ያእቆብ፥ ዝፀዋዕኹኻ ንስኻ፥ እስራኤልውን ስምዐኒ፤ እግዚኣብሄር ኣነስ ኣነ እየ፤ ቀዳማይ ኣነ እየ፤ ዳሕረዋይውን ኣነ እየ።
“ሕጊ ኻባይ ይወፅእ፤ ፍርደይውን ንኣህዛብ ብርሃን ክኸውን እዩ፤ ኣታ ህዝበይ፥ ስምዐኒ፤ ኣታ ወገነይ፥ ኣዳምፅ።
“ኣቱም ፅድቂ እትፈልጡ፤ ኣቱም ኣብ ልብኹም ሕገይ ዘለኩም ህዝቢ ስምዑኒ፤ ላግፂ ሰብ ኣይትፍርሑ፤ ብፀርፎምውን ኣይትደንግፁ።
ንእግዚኣብሄር ብዝርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፤ ቀሪቡ እንተሎውን ፀውዕዎ።
ነቶም ዝደልዩኒ ህዝበይ፥ ለሰ ሳሮን መውፈሪ ኣባጊዖም ክኸውን እዩ፤ ለሰ ኣኮር ድማ መዕየሚ ኸፍቲ ክኸውን እዩ።
ኣብ ቤት ዮሴፍ ሓዊ ኸይትነድድ፥ ኣብ ቤቴል ዘጥፍኣ ዘይብላ ኸይትቃፀል፥ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፤ ብህይወት ድማ ኽትነብሩ ኢኹም።
ኣቱም ፍርዱ እትሕልዉ፥ ኣብ ምድሪ ዘለኹም ኵላትኩም ትሑታት፥ ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱ። ምናልባሽ በታ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ዝገልፀላ መዓልቲ እንተ ተሓባእኹምስ፥ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፤ ትሕትናውን ድለዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ንርእስኹም ኣዋርዱ።
ንፅድቂ ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ።
ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።
ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ፅድቂ ሰኣን ምፍላጦም፥ ፅድቂ ርእሶም ከቑሙ ብምድላዮም፥ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣየግዝኡን።
እምበኣር ኣሰር ሰላምን፥ ኣሰር እቲ ንስንሳትና እንተሃናነፀሉ ነገርን፥ ንስዓብ።
ኣሕዋተይ፥ ኣነ ግና ናተይ ከም ዝገበርክዎ ገይረ፥ ንርእሰይ ኣይግምትን እየ፤ ሓደ ዝገብሮ ነገር ኣሎ፦ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኹ፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እመጣጠር ኣለኹ፤
ንስኻ ግና፥ ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ካብዙይ ኵሉ ህደም። ደድሕሪ ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ትዕግስትን፥ መንፈሳዊነትን፥ ሰዓብ።
ካብ ክፉእ ናይ ጕብዝና ትምኒት ህደም፤ ምስቶም ብንፁህ ልቢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፅውዕዎ ኸዓ፥ ኣሰር ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ሰላምን፥ ሰዓብ።
ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ፤ ብዘይ ቅድስና፥ ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።