Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 5:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 “እምበኣርከስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገበሮ ኽነግረኩም፦ ንሓፁሩ ኽነቕሎ እየ፤ መጓሰዪ ኸዓ ክኸውን እዩ፤ ንመካበቢያኡ ኸዓ ኸፍርሶ እየ፤ መራገፂውን ክኸውን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 5:5
31 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እንተይተበታተንና፥ ሰማይ ዝበፅሕ ግንቢ ዘለዋ ኸተማ ንስራሕ፥ ስምና ኸዓ ነፀውዕ” በሉ።


እምበኣር ንስንሳቶም ምእንቲ ኸይሰማምዑ፥ ንዑ ንውረድሞ ቛንቋኣቶም ንደባልቕ” በለ።


መሊሰ ኸዓ “ንጉስ ንዘለኣለም ንበር፤ መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ፥ ፈሪሳ፥ ኣፍ ደገታታውን ብሓዊ ተቓፂለን ደኣ፥ ገፀይ ከመይ ዘይሓዝን?” በልክዎ።


ኵሉ ቕፅርታቱ ኣፍረስካ፤ ንእምባታቱ ኸዓ ኣዕኖኻ።


ኵሎም ሓለፍቲ መንገዲ ተመናጠልዎ፤ ንጐረባብቱ ድማ ፀርፊ ኾነ።


እንሆ ድማ፥ ኣብ ኵሉ ዃዂቶ በቚልዎ፥ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፥ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ ነበረ።


ንምቕታል ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድሓን ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፍራስ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምስራሕውን ጊዜ ኣለዎ።


ንእኡ ናብቲ ዝንጉዕ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፤ ናብቲ ዘቘጥዐኒ ትውልዲውን ክልእኾ እየ፤ ንሱ ድማ ኽዘምቶምን ክብዝብዞምን ከም ጭቃ ኣደባባይ ክረግፆምን እዩ” በለ።


ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ክትዓርፍ እያ እሞ፥ ከምቲ ሓሰር ኣብ ጭቃ ዝርገፅ፥ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገፅ እዩ።


እቲ ምስ ሞት ዝኣተኹምዎ ኪዳን ክፈርስ፥ እቲ ምስ ሲኦል ዝተወዓዓልኩምዎ ውዕሊ ኸዓ ኣይፀንዕን እዩ፤ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ብእኡ ኽትርገፁ ኢኹም።


ትዕቢት ኣክሊል ናይቶም ሰካራማት ኤፍሬም ከዓ፥ ብእግሪ ኽርገፅ እዩ።


ኣትን ሕዚ መችዩክን ዘለኽን ኣንስቲ፥ ድሕሪ ዓመትን ቍሩብ መዓልትን፥ ምቝራፅ ዘቢብን ምእራይ ፍረታትን ክጠፍእ እዩ እሞ፥ ክትድንግፃ ኢኽን።


እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ።


“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎንን ነቶም ካብ ቅፅሪ ወፃኢ ዝኸበቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣፅዋር ክመልሶ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኽእክቦ እየ።


እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝተስኡ ነቢያት፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ውግእን መዓትን መቕሰፍትን ከም ዝመፅእ ተነበዩ።


“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ነቲ ዝሰራሕኽዎ ኣፍርሶ፤ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸዓ እብቍሶ ኣለኹ። ነዙይ ከዓ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኽገብሮ እየ።


ሳምኬት። “እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣብ ማእኸለይ ዝነበሩ ጀጋኖይ ደርበዮም፤ ነጕባዘይ ክጭፍልቕ፥ ሰራዊት ኣኽተተለይ፤ እግዚኣብሄር ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ፥ ብመፅመቚ ኸም ዝርገፅ ወይኒ ረገፃ።”


ዋው። ነታ መሕደሪኡውን ከም ተኽሊ ነቐላ፤ መአከቢ ስፍራኡውን ኣፍረሰ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን፥ ንበዓልን ሰንበትን ከም ዝርሳዕ ገበረ፤ ብናህሪ ቝጥዓኡ ንንጉስን ካህንንውን ኣዋረደ።


ላሜድ። “ነገስታት ምድርን ኵሎም ኣብ ዓለም ዝነበሩን፥ ተፃራርን ፀላእን ብበርታት ኢየሩሳሌም ክኣትዉ እዮም ኢሎም ኣይኣምኑን ነበሩ።”


ሽዑ ኻብ ቅዱሳን ሓደ ኽዛረብ እንተሎ ሰማዕኹ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ፥ ነቲ ዝዛረብ ዘሎ “ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ መስዋእትን፥ ብሰንኪ ዓመፅ ዝኸውን እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋፅ ምእንቲ ኽወሃብ፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ዕንወት፥ ብራእይ ዝተርኣየ ነገራት ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝኸውን?” ኢሉ ጠየቖ።


ንሳ ነቲ “ፈተውተይ ዝሃቡኒ ዓስበይ እዙይ እዩ” ዝበለቶ ተኽሊ ወይናን ኦም በለሳን ከባድሞ፥ ዱር ከዓ ኽገብሮ እየ፤ ኣራዊት በረኻውን ክበልዕዎ እዮም።


ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣነ ኽሓባብላ ናብ ምድረ በዳውን ከምፅኣ እየ፤ ንልባ ድማ ኽዛረባ እየ።


ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ፥ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክውሰዱ እዮም፤ ዘመን ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍፀምውን፥ ኢየሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገፅ እያ።


እቲ ብወፃኢ መቕደስ ዘሎ ቕፅሪ ግና፥ ንኣህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ ሕደጎ ኣይትዓቅኖ፤ ኣህዛብ ከዓ፥ ነታ ቕድስቲ ኸተማ፥ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኽረግፅዋ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos