3 “ሕዚ እውን ኣቱም ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ሰብ ይሁዳ፥ እስኪ ሕዚ ኣብ መንጎይን፥ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ።
ብነገርካ ኽትፀድቕ፥ ብፍርድኻውን ንፁህ ክትከውን፥ ኣነ ንኣኻ ጥራሕ በደልኩ፤ ኣብ ቅድሜኻውን ክፉእ ገበርኩ።
ነታኽልቲ ወይነይ ካብዝ ዝገበርኩሉ ንላዕሊ፥ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ ነይሩ? ጥዑም ወይኒ ኽፈሪ እዩ ኢለ እናተፀበኽዎስ፥ ስለ ምንታይ እዩ መፂፅ ፍረ ዝፈረየ?
ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።
ኣይገብሮን፤ ከምቲ “ብቓልካ ኽትፀድቅ፥ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ” ዝብል ፅሑፍ ዘሎ፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግና ሓቀኛ እዩ።