Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 5:26 - መፅሓፍ ቅዱስ

26 ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኣህዛብ ድማ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ብፋፃ ኽፅውዖም እዩ፤ እንሆ እናጐየዩ ተቐላጢፎም ክመፁ እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 5:26
23 Referencias Cruzadas  

ካብ ፍላፃ ፀላኢ ምእንቲ ኸምልጡ፥ ነቶም ዝፈርሑኻ ምልክት ሃብካዮም።


ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ ፈለግውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኽገዝእ እዩ።


ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም?


እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተሰደዱን፥ ነቶም ካብ ይሁዳውን ዝተበተኑን፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኽኣኻኽቦም እዩ።


ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባ፥ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ነቶም ሰራዊት ዓው ኢልኩም ኣድምፁሎም፤ ኣሕሉቕ ብበሪ ምእንቲ ኽኣትዉ ብኢድኩም ኣመልክቱሎም።


ነቶም ቅዱሳነይ ኣዚዘዮም ኣለኹ፤ ንጀጋኖይን ነቶም ብኽብረይ ዕልል ዝበሉንውን ቍጥዓይ ንምፍፃም ፀዊዐዮም ኣለኹ።


ድምፂ ወኻዕታ፥ ከም ብዙሕ ህዝቢ ኣብ እምባታት ኣሎ፤ ድምፂ እቶም እኩባት መንግስታት ኣህዛብ ይሃምም ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፥ ነቶም ሰራዊት ክስለፉ ይእዝዞም ኣሎ።


እግዚኣብሄርን ኣፅዋር ቍጥዓኡን ነታ ምድሪ ብምልእታ ኸጥፍኡ ኻብ ወሰን ሰማይን ካብ ርሑቕ ሃገርን ክመፁ እዮም።


ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፥ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘለኹም ኵልኻትኩምውን፥ ምልክት ኣብ እምባታት ልዕል ምስ በለ፥ ተመልከቱ፤ መለኸት እንትንፋሕውን ኣድምፁ።


እኳ ደኣ በፍራስ ተቐሚጥና ኢና በልኩም። ስለዙይውን ክትሃድሙ ኢኹም፤ መሊስኩም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ክንቕመጥ ኢና በልኩም፤ እንተ ኾነ እቶም ዘሳጕጉኹም ዝቐልጠፉ ክኾኑ እዮም።


ካብ ራዕዲ ዝተልዓለ፥ ፅኑዕ ዕርዲ ኽፈርስ እዩ፤ እቶም መራሕቱውን፥ ካብ ሰንደቕ ዕላማኡ ዝተልዓለ ኽድንግፁ እዮም” ይብል እቲ ሓዊኡ ኣብ ፅዮን፥ እቶኑ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ እግዚኣብሄር።


ሽዑ ነቢይ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እንታይ በሉኻ? ካበይከ መፁ?” በሎ። ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ኻብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” በሎ።


“በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ወሰን ሩባ ግብፂ ንዘሎ ፅንፅያን፥ ኣብ ኣሶር ንዘሎ ንህብን ብፋፃ ኽፅውዕ እዩ።


እንሆ ኸም ደመና ኾይኑ ይወፅእ ኣሎ፤ ሰረገላታቱ ኸም ኣውሎ ንፋስ እዮም፤ ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ ወይለና!


ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከምፅአልኩም እየ፤ ንሳቶም ሓያላትን ጥንታውያንን ህዝቢ እዮም፤ ቋንቋኣቶም ዘይትፈልጥዎ፥ ዘረባኣቶም ድማ ዘይተስተውዕልዎ ህዝቢ እዮም።


“ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ መለኸት ንፍሑ፤ ኣህዛብ ኣዳልዉላ፤ ንመንግስታት ኣራራትን ሚኒን ኣስከናዝን ኣኽትቱላ፤ ኣሕሉቕ ሽሙላ፤ ፀጓራት ኣንበጣ ዝመስሉ ኣፍራስ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኣውፅኡ።


ቆፍ። ሰጐጕትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ይቕልጥፉ፤ ኣብ እምባታት ሃደኑና፤ ኣብ ምድረ በዳ ድማ ኣድበዩልና።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣብኣቶም ከም ዘምፅአካ፥ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነቢያት እስራኤል ገይረ፥ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን?”


ከም ጀጋኑ ይጐዩ፤ ከምዝዋግኡ ሰባት ናብ ቅፅሪ ይድይቡ፤ ነፍሲ ወከፍ በብጐደናኡ ይሓልፍ፤ ካብ መንገዶም ከዓ ድሕር ኣይብሉን።


“ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፤ ካብ ተዅላ ምሸትውን ይጭክኑ። ፈረሰኛታቶም ቀልጢፎም ይጋልቡ፤ ካብ ርሑቕ ስፍራውን ይመፁ። ከምቲ ነጢቁ ንምብላዕ ዝሃፅፅ ንስሪ ይነፍሩ።


“ተቤዚወዮም እየሞ፥ ብፋፃ ኽፅውዖም እየ፤ ብሓደ ኽእክቦም እየ፤ ከም ቀደሞምውን ክበዝሑ እዮም።


ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


“ቋንቋኣቶም ዘይትሰምዕዎም ህዝቢ፥ ከም ንስሪ ዝነፍሩ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ናባኻትኩም ከምፅእ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos